ኢትዮጵያ ብመሪሕነት ሕብት ኣፍሪካ ዝካየድ ድርድር ግድብ ህዳሰ ብዓወት ንኽዛዘም ቆራፅ ከምዝኾነት ኣፍሊጣ
ኣዲስ ኣበባ ፣ 6 ሓምለ፣ 2013 (ኤፍ ቢ ሲ)ኢትዮጵያ ብመሪሕነት ሕብት ኣፍሪካ ዝካየድ ድርድር ግድብ ህዳሰ ብዓወት ንኽዛዘም ቆራፅ ከምዝኾነት ኣፍሊጣ።
ሚኒስቴር ጉዳያት ወፃኢ ኣብ ሰለስተኣዊ ድርድር ግድብ ህዳሰ ኣመልኪቱ መግለፂ ኣውፂኡ፡፡
ኣብ መግለፂ ድማ ኢትዮጵያ በቲ ሕብረት ኣቢሉ ዝካየድ ድርድር ብዓወት ንኽዛዘም ዘይናጋዕ ቅዋም ከምዘለዋ ኣፍሊጡ፡፡
ምስዚ ተተሓሒዡ ድማ ብሕብረት ኣፍሪካ ኣቢሉ ዝሳለጥ ከይዲ ድርድር ቀንዲ መፍትሒ ከምዝኾነ እውን ገሊፁ፡፡
ከይዲ እቲ ድርድር ሰለስቲአን ሃገራት ናብ ዝደልየኦን ጠቐምቲ ኣብ ዝኾኑ ጉዳያት ናብ ምርድዳእ ንኽበፅሑ ከምዝሕግዝ እውን እቲ ሚኒስቴር ኣብ መግለፂኡ ኣብሪሁ፡፡
ብመንፅር እዚ ብመሪሕነት እቲ ሕብረት ዝካየድ ድርድር ብዕዉት ኩነታት ንኽዛዘምን ተቐባልነት ዘለዎ ሓበራዊ ውፅኢት ንኽርከብን ኢትዮጵያ ቆራፅ ከምዝኾነት ኣፍሊጡ፡፡
እቲ ሚኒስቴር ኣብ መግለፂኡ፥ እናተኻየደ ዝፀንሐ ድርድር ምቁራፁን ንፖለቲካዊ ሃልኪ ምውዓሉን ዘሕዝን ተግባር ከምዝኾነ ገሊፁ፡፡
ኢትዮጵያ ኣብቲ ጉዳይ ዘለዋ ግልፂ ቅዋም ኣፍሊጣ እናሃለወት፤ ጉዳይ ግድብ ህዳሰ ናብ ቤት ምኽሪ ፀፅታ ክውሰድ ምግባሩ ግቡእነት ዘይብሉን ዘየዋፅእን ከምዝነበረ ኣብሪሁ፡፡
እቲ ጉዳይ ምስ ስልጣንን ሓላፍነት እቲ ቤት ምኽ ዘይራኸብ ከምዝኾነ ምግላፁ ካብቲ ሚኒስቴር ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ፡፡
እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦
ቴሌግራም ገፅና https://t.e/tigrignafana
ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/
ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision
ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna
https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!
ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት
https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ።