Fana: At a Speed of Life!

ኢትዮጵያ ዝጀመረቶ ፍትሓዊ ድርድር መዕለቢ ንኽረክብ ድልውቲ ኢያ – ዶክተር ኢንጂነር ስለሺ በቀለ

ኣዲስ ኣበባ ፣ 6 ሓምለ፣ 2013 (ኤፍ ቢ ሲ)ሚኒስትር ማይ፣ መስኖን ኢነርጂን ዶክተር ኢንጂነር ስለሺ በቀለ ከይዲ ድርድር ግድብ ህዳሰ ናብ ሕብረት ኣፍሪካ ክምለስ ንዝገበሩ ኣባላት ቤት ምኽሪ ፀፅታ ውድብሕቡራት መንግስታት ምስጋና ኣቕሪቦም።

ኣባላት እቲ ቤት ምኽሪ፥ ኢትዮጵያ ዝጀመረቶ ጉድኣት ዘየምፅእ ፕሮጀክት ልምዓት ብቕንዕና ስለ ዝተረድኡን እቲ ድርድር ናብ ሕብረት ኣፍሪካ ክምለስ ስለዝገበሩን እቶም ሚኒሰስትር ኣብ ትዊተር ገፆም ኣብ ዝፀሓፉዎ ፅሑፍ ኣመስጊኖም።

ኢትዮጵያ ዝጀመረቶ ፍትሓዊን ንኹሉ ተረባሂ ዝገብርን ሰለስተኣዊ ድርድር መዕለቢ ንኽረክብ ድልውቲ ከምዝኾነት እውን ኣረጋጊፆም።

ኣብ ዝሓለፈ ሓሙስ ሃገረይ ወኪለ ኣብ ቤት ምኽሪ ፀፅታ ውፅኢታዊ ገለፃ ገይረ ኢየ” ዝበሉ እቶም ሚኒስትር፥ ከይዲ ድርድር ግድብ ህዳሰ ብሕብረት ኣፍሪካ መፍትሒ ከምዝረክብ ዘለዎም እምነት ገሊፆም።

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅና https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.