ኣብዚ ዓመት ኣብ ተፋሰስ ኣባይ ልዕሊ 4 ነጥቢ 5 ፈልሲታት ክትከል ኢዩ – ሚኒስቴር ሕርሻ
ኣዲስ ኣበባ ፣ 1 ሓምለ፣ 2013 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብዚ ዓመት ኣብ ተፋሰስ ኣባይ ልዕሊ 4 ነጥቢ 5 ፈልሲታት ከምዝትከል ሚኒስቴር ሕርሻ ገሊፁ።
ኣብ መርሃ ግብሪ ሓምለዋይ ኣሰር ልዕሊ 7 ነጥቢ 4 ቢሊየን ፈልሲታት እናተተኸለ ከምዝርከብ ዝገለፁ ሚኒስትር ዲኤታ ሕርሻ ሳኒ ረዲ፥ እቲ ልዕሊ 4 ነጥቢ 5 ቢሊየን ኣብ ከባቢ ተፋሰስ ኣባይ ዝትከል ከምዝኾነ ኣብሪሆም።
ኣብ ተፋሰስ ኣባ ዝስርሑ ስራሕቲ ሓለዋ ሃፍቲ ተፈጥሮ ብምጥንኻር ግድብ ህዳሰ ካብ ደለል ንምክልኻል ፃዕሪ እናተገበረ ከምዝኾነ ኣይተ ሳኒ ተዛሪቦም።
ናብ ግድብ ህዳሰ ዝኣቱ ደለል ብ50 ሚኢታዊ ምንካይ እንተተኻኢሉ እቲ ግድብ ልዕሊ 140 ቢሊየን ዶላር ተወሳኺ ኣታዊ ከምዘምፅእ ይግመት።
ዕድመ ኣገልግሎት እቲ ግድብ ናብ 375 ዓመታት ከዕብዮ ኢዩ ዝብል እምነት ከምዘሎ እውን ተሓቢሩ።
ህንፀት ዓቢዪ ግድብ ህዳሰ ኢትዮጵያ እንትዛዘም ን140 ዓማውቲ ኣገልግሎት ሓይሊ ኤሌክትሪክ ክህብ ኢዩ ተባሂሉ ከምዝግመት ግዜኢ ፀብፂቡ።
እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦
ቴሌግራም ገፅና https://t.e/tigrignafana
ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/
ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision
ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna
https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!
ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት
https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ።