መረፃ ዕዉት ምዃኑ ኣብ ልዕሊ ኢትዮጵያ ወቐሳ ዘቕርቡ ኣካላት ዝተሰሓሓቱ ምዃኖም ዘረጋገፀ ኢዩ – ላውረንስ ፍሪማን
ኣዲስ ኣበባ ፣ 1 ሓምለ፣ 2013 (ኤፍ ቢ ሲ)ኢትዮጵያ ዘካየደቶ 6ይ ሃገራዊ መረፃ ዕዉት ምዃኑ ኣብ ልዕሊ ኢትዮጵያ ወቐሳ ዘቕርቡ ኣካላት ዝተሰሓሓቱ ምዃኖም ዘረጋገፀ ከምዝኾነ ተንታኒ ፖለቲካን ኢኮኖሚን ላውረንስ ፍሪማን ገሊፆም።
ልዕሊ 30 ዓመታት ኣብ ፖሊሲታት ልምዓት ኣፍሪካ ተሳትፎ ዘለዎም ላውረንስ ፍሪማን፥ እዋናዊ ኩነታት ኢትዮጵያ ኣመልኪቶም ኣብ ዘዳለዉዎ ትንታነ ህዝቢ ኢትዮጵያ 6ይ ሃገራዊ መረፃ ብዕቱብ ወፂኡ ዝመርሖ ምምራፁ ብዝተፈላለዩ ፅዕንቶታት ትርከብ ሃገር ናብ ዴሞክራሲ ንምስጋር መሰረት ዘንበረ ከምዝኾነ ኣገንዚቦም።
እቲ መረፃ ዕዉት ምዃኑ፥ ብምዕራባውያን መንግስታትን ማራኸቢ ሓፋሽን እናተውሃቡ ዝነበሩ ግምታት ዓመፅን ጎንፅን ዘፈሸለ ከምዝኾነ ብምሕባር፤ ዝኾነ ይኹን ፕሮፓጋንዳ ፖለቲካ ኣብ ዕዉትነት እቲ መረፃ ኣየተዓናቐፎን ክብሉ ገሊፆም።
ጉጅለ ተዓዘብቲ መረፃ ሕብረት ኣፍሪካን ሓይሊ ምድላው ምብራቕ ኣፍሪካን እውን ካብ ዝተወሰኑ ፀገማት ፀፅታን ሕፅረት ቀረብን ወፃእ ተኣማኒ፣ ሰላማዊን ብዘይ ዝኾነ ይኹን ፀገም ዝተኻየደ መረፃ ከምዝተኻየደ ምግላፆም ኣብነት ከምዝኾነ ኣብሪሆም።
ኢትዮጵያ ዘካየደቶ 6ይ ሃገራዊ መረፃ ዕዉት ምዃኑ ኣብ ልዕሊ ኢትዮጵያ ወቐሳ ዘቕርቡ ኣካላት ዝተሰሓሓቱ ምዃኖም ዘረጋገፀ ከምዝኾነ እቶም ተንታኒ ፖለቲካን ኢኮኖሚን ተዛሪቦም።
ንሄራዊ ቦርድ መረፃን ኣመራርሓታቱን ዘይሻራዊ ምዃኖም፥ እቲ መረፃ ንምዕዛብ ዝመፅኡ ከምኡ እውን መዳርግቲ ኣካላት ኣብቲ መረፃ እምነት ንኽህልዎም ከምዝገበረ ምግላፆም እውን ግዜኢ ፀብፂቡ።
እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦
ቴሌግራም ገፅና https://t.e/tigrignafana
ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/
ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision
ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna
https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!
ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት
https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ።