ኣባላት ቤት ምኽሪ ምምሕዳር ከተማ ኣዲስ ኣበባ ሓምለዋይ ኣሰሮም ኣንቢሮም
ኣዲስ ኣበባ ፣ 1 ሓምለ፣ 2013 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣባላት ቤት ምኽሪ ምምሕዳር ከተማ ኣዲስ ኣበባ ኣብ ማእኸል እፅዋት ጉለሌ ሓምለዋይ ኣሰሮም ኣንቢሮም።
“ንዑ ንኣዲስ ኣበባ ንኽደና” ብዝብል መሪሕ ቃል ኣብታ ከተማ ዝተጀመረ መርሃ ግብሪ ተኸላ ፈልሲ ሓምለዋይ ኣሰር ሎሚ መዓልቲ ተጠናኺሩ ቀፂሉ ኣሎ፡፡
ስለዝኾነ ድማ ኣፈ ጉባኤ ቤት ምኽሪ ኣዲስ ኣበባ ወይዘሮ ዘርፈሽዋል ንጉሴ ሓዊሱ ኣባላት እቲ ቤት ምኽሪ ኣብቲ ማእኸል ተረኺቦም ፈልሲ ተኺሎም፡፡
ብተመሳሳሊ ብመዓርግ ምክትል ከንቲባ መካየዲ ስራሕ ከተማ ኣዲስ ኣበባ ኣይተ ጥራቱ በየነ ካብ 11 ክፍለ ከተማታት ምስ ዝተውፃእፅኡ ኣመራርሓታት ውዳበታት ብሎክን ነበርቲን ብምዃን ኣብ ክፍለ ከተማ ቃሊቲ ፈልሲ ተኺሎም፡፡
ኣብ መርሃግብሪ እዚ ዓመት ብብርኪ ከተማ 7 ነጥቢ 5 ሚሊየን ፈልሲታት ንምትካል ትልሚ ከምዝተትሓዘ ይፍለጥ፡፡
ኣብቶም መርሃ ግብሪታት ኣመራርሓታት ዝተፈላለዩ ፌዴራልን ሴክተር ቤት ዕዮታት ምምሕዳር ከተማን ከምኡ እውን ኣመራርሓታት ክፍለ ከተማታት፣ ሰራሕተኛታት፣ ኣቦታት ሃይማኖት፣ ተምሃሮ፣ ኣካላት ፀፅታን ዝተፈላለዩ ክፋላት ሕብረተሰብን ምስታፎም ካብ ቤት ፅሕፈት ፕሬስ ሴክሬታሪያት ኣዲስ ኣበባ ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ፡፡
እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦
ቴሌግራም ገፅና https://t.e/tigrignafana
ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/
ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision
ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna
https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!
ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት
https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ።