ውልቀ ኩባኒያ ቻይና ኢንተርናሽናል ማይወይ ትያንጂን መሳርሒታት መምከኒ ፈንጂ ንፖሊስ ፌዴራል ብሓገዝ ኣበርኪቱ
ኣዲስ ኣበባ ፣ 29 ሰነ፣ 2013 (ኤፍ ቢ ሲ)ውልቀ ኩባኒያ ቻይና ኢንተርናሽናል ማይወይ ትያንጂን ንፖሊስ ፌዴራል ኢትዮጵያ ሓገዝ መሳርሒታት መምከኒ ፈንጂ ኣበርኪቱ።
እቲ ኩባኒያ ብር 22 ሚሊየን 800 ሺሕ ዝግመቱ መሳርሒታት መምከኒ ፈንጂ ኢዩ ድጋፍ ገይሩ ዘሎ፡፡
እቲ ትካል ኣብዚ ሕዚ እዋን ንሰብ ሞያ ፀረ ፈንጂ ስልጠና ብመሃብ ኣብ ዝተፈላለዩ መሰረተ ልምዓታትን ኣብ ትካላት ብምውፋር በዘበናዊ መሳርሒታት ዝተደገፈ ፖሊሳዊ ኣገልግሎት እናሃበ ከምዝኾነ ተሓቢሩ፡፡
ኮሚሽነር ጄነራል ኮሚሽን ፖሊስ ፌዴራል ደመላሽ ገብረሚካኤል፥ እቶም መሳርሒታት ፀረ-ፈንጂ እኩይ ተግባር ፀረ ሰላም ሓይሊታት ንምምካት ኣድላዪ ከምዝኾነ ብምግላፅ፤ እቲ ኩባኒያ ንዘበርከቶ ሓገዝ ኣመስጊኖም፡፡
ምክትል ዳይሬክቶሬት ፀረ-ፈንጂ ድማ እቶም መሳርሒታት ብግቡእ ብምጥቃም ኣብ ዝተደለዩሉ ዕላማ ከውዕሎም ከምዝግባእ ምግላፆም ካብቲ ኮሚሽን ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ፡፡
እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦
ቴሌግራም ገፅና https://t.e/tigrignafana
ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/
ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision
ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna
https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!
ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት
https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ።