Fana: At a Speed of Life!

ቤት ምኽሪ ፀፅታ መንግስቲ ኣብ ትግራይ ዝገበሮ ብተናፀል ስምምዕነት ደው ምባል ተኹሲ ንኢዱ

ኣዲስ ኣበባ ፣ 26 ሰነ ፣ 2013 (ኤፍ ቢ ሲ)ቤት ምኽሪ ፀፅታ ውድብ ሕቡራት መንግስታት(ውሕመ)መንግስቲ ኢትዮጵያ ኣብ ትግራይ ዝገበሮ ብተናፀል ስምምዕነት ደው ምባል ተኹሲ ንኢዱ።

እቲ ቤት ምኽሪ ኣብ ትግራይ ብዛዕባ ዘሎ እዋናዊ ኩነታት ብዝምልከት ኣኼባ ኣካይዱ።

እቲ ስጉምቲ ናብ ትግራይ ሰብኣዊ ሓገዝ ንምብፃሕ ንዝግበር ፃዕሪ ልዑል ሓገዝ ከምዝገብር ገሊፁ።

ዘላቒ ሰላም ኣብ ምምፃእ ንኹሉሎም ኣካላት ዘሳተፈ ሃገር ለኸ ዘተ ክግበር ከምዝግባእ ድማ ተዛሪቡ።

ማሕበረሰብ ዓለም መንግስቲ ንዝገብሮ ዘሎ ፃዕሪ ንክድግፍ እቲ ቤት ምኽሪ ሓቲቱ።

ሰብኣዊ ሓገዝ ዘቕርባ ትካላት እውን ኣብቲ ክልል ዝግበር ደገፍ ክብ ንከብላ ፃውዒት ኣቕሪቡ።

ድልድል ተከዘ ምፍራሱ ስዒቡ መንግስቲ ንሰብኣዊ ደገፍ በረራ ኣውሮፕላን ምፍቃዱ ንኢዱ።

ኣብ ውሕመ ቀዋሚ መልእኽተኛ ኢትዮጵያ ኣምባሳደር ታዬ ኣፅቀስላሴ፥ ካብ ኣባላት እቲ ቤት ምኽሪ ዝተልዓሉ ሕቶታት መብርሂ ሂቦም።

እቲ ብተናፀል ዝተገበረ ስምምዕነት ደው ምባል ተኹሲ ኣብ ትግራይ ንዝግበር ሰብኣዊ ሓገዝ ክብ ንምባል ተሓሲቡ ዝተወሰደ ስጉምቲ ከምዝኾነ ሓቢሮም።

ንኹሉ ዘሳተፈ ዘተ ንምግባር ዕድል ከምዝወሃብ እውን ኣረዲኦም።

ምስ ግህሰት ሰብኣዊ መሰል ብምትሕሓዝ ኣብቲ ኘጉዳይ ዝተሳተፉ ኣካላት ተሓተትቲ ንምግባር ይስራሕ ኣሎ ኢሎም።

ኣብ ልዕሊ ኢትዮጵያ ዝግበሩ ዘለዉን ዝግበሩን ፅዕንቶታት ደው ክብሉ ይግባእ ኢሎም።

 

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅና https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.