Fana: At a Speed of Life!

ሚኒስር ባህሊን ቱሪዝምን ዶ/ር ሂሩት ካሳው ምስ ኣምባሳደር ሃንጋሪ ኣብ ኢትዮጵያ ተዛቲየን

ኣዲስ ኣበባ፣ 25 ሰነ፣ 2013 (ኤፍ ቢ ሲ)ሚኒስር ባህሊን ቱሪዝምን ዶክተር ሂሩት ካሳው ምስ ኣምባሳደር ሃንጋሪ ኣብ ኢትዮጵያ ኣቲላ ኮፓኒ ተዛቲየን።

ኣብ ዘተአን ድማ ኣብ ጉዳይ ክልተኣዊ ጉዳያት ክልቲአን ሃገራት ከምዘተኮራ ተገሊፁ፡፡

እቶም ኣምባሳደር ከምዝገለፁዎ፥ ካብ ዝቕፅል ወርሒ ጀሚሩ ኣብ ቡዳፔስት ዝካየድ ምርኢት ንግዲን ቱሪዝምን ሃንጋሪ ኢትዮጵያ ተሳታፊት ንኽትከውን ዓዲሞም፡፡

ስለዝኾ ድማ ኢትዮጵያ ዘለዋ መስሕብ ቱሪዝም ንምፍላጥ ፅቡቕ ዕድል ከምዝኾነ ተዛሪቦም፡፡

ጉጅለ ሙዚቃ ሃንጋሪ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ኢንስቲትዩት ባህሊ ጣሊያን ዘሰናድኦ ኮንሰርት እውን ብኽብሪ ጋሻ ኮይነን ንኽርከባ ነተን ሚኒስትር ከምዝዓደሙወን ካብ ባህሊን ቱሪዝምን ሚኒስትር ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ፡፡

ኣብ ህንፀት ዓቕሚ ብፍላይ ኣብ ዓውዲ ባህሊ፣ ቱሪዝምን ስፖርትን ዕድል ትምህርቲ ወፃኢ ንኸመዓራረ ድሌት ከምዘለዎም እውን ኣብቲ ዘተ ዝተለዓሉ ጉዳያት ከምዝነበሩ ተሓቢሩ፡፡

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅና https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.