Fana: At a Speed of Life!

ካብ ወርሒ ጉምበት ጀሚሩ 25 ሺሕን 472 ዜጋታት ናብ ሃገሮም ተመሊሶም – ወ/ሮ ሙፈሪያት ካሚል

ኣዲስ ኣበባ፣ 21 ሰነ፣ 2013 (ኤፍ ቢ ሲ)ካብ ወርሒ ጉምበት ጀሚሩ 25 ሺሕን 472 ዜጋታት ካብ ሸሞንተ ሃገራት ናብ ሃገሮም ከምዝተመለሱ ሚኒስትር ሰላም ወይዘሮ ሙፈሪያት ካሚል ገሊፀን።

እተን ሚኒስትር፥ ኣብ ዝሓለፉ ኣዋርሕ ጉዳይ ናብ ሃገር ተመለስቲ ዜጋታት ብኣተሓባበራይነት ሚኒስቴር ሰላም ብቐንዱ ምስ ሚኒስቴር ጉዳያት ወፃኢ፣ ተፀዋዕቲ ትካላት ሚኒስቴር ሰላም፣ ሚኒስቴር ሰራሕተኛን ማሕበራዊ ጉዳይ፣ ከምኡ እውን ምስ ካልኦት መንግስታዊ ዘይኮኑ ትካላት ብምውዳድ እናተሰርሐ ምፅንሑ ተዛሪበን፡፡

ስለዝኾነ ድማ ክሳብ ሕዚ ካብ 13 ጉንበት 2013 ዓ.ም ጀሚሩ ካብ ሸውዓተ ሃገራት ዝተመለሱ 25 ሺሕን 472 ዜጋታት ተቐቢሉ ብምትእንጋድ ኣብ እዋን ፃንሒትን ናብ መንበሪኦም እንትጓዓዙን ኣድላዪ ወፃኢ ብምሽፋን ምስ ስድረኦም ክሕወሱ ምግባር ከምዝተኽኣለ ገሊፀን።

ካብ ትማሊ ምሸት ጀሚሩ ድማ 3 ሺሕን 691 ዜጋታት ካብ ስዑድ ዓረብ ከምዝተመለሱ እተን ሚኒስትር ኣብ ማሕበራዊ ሚዲያ ገፀን ፀሒፈን፡፡

ኣብ ዝተወሰኑ ከባቢታት ስራሕቲ መሊስካ ንምጥያሽ በቢ ብርኩ ዝርከቡ ኣካላት ምምሕዳር ኣቢሉ እናተሰርሐ ከምዝርከብን ኣብ ቀፃሊ እውን ተጠናኺሩ ከምዝቕፅልን ኣብሪሀን።

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅና https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.