ኣብ ከባቢታት መውፅኢ መዓድን ዝፍጠሩ ፀገማት ፀፅታ መፍትሒ ከምዘድሊዮም ሚኒስቴር መዓድንን ነዳዲን ገሊፁ
ኣዲስ ኣበባ ፣ 20 ሰነ፣ 2013 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ከባቢታት መውፅኢ መዓድን ዝፍጠሩ ፀገማት ፀፅታ መፍትሒ ንኽርከብ ኣብ ስምምዕነት ከምዝተበፅሐ ሚኒስቴር መዓድንን ነዳዲን ኣፍሊጡ።
ኣብቲ ጉዳይ ኣመልኪቱ ምስ ክልላት ኣብ ዝተገበረ ዘተ፥ ሚኒስትር ዲኤታ ሰላም ወይዘሮ ፍሬኣለም ሽባባው ተሳቲፈን።
ሚኒስትር መዓድንን ነዳዲን ኢንጅነር ታከለ ኡማ፥ ኣብ ከባቢታት መውፅኢ መዓድን ዝፍጠሩ ፀገማት ፀፅታ መፍትሒ ንኽርከብ ምስ ሚኒስቴር ሰላም ኣብ ስምምዕነት ከምዝተበፅሐ ገሊፆም።
ኣብ ዝቕፅል ዓመት ካብቲ ዓውዲ 1 ነጥቢ 5 ቢሊየን ዶላር ንምርካብ ተሃቂኑ ምስ ክልላት ኣብ ስምምዕነት ከምዝተበፅሐ እውን ኣብሪሆም።
“እቲ ትልሚ ንምዕዋት ኣብቲ ዓውዲ ዝረኣዩ ፀገማት ንምስትኽኻል ክስራሕ ኢዩ” ክብሉ ኢንጂነር ታከለ ኣብ ትዊተር ገፆም ፅሒፎም።
እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦
ቴሌግራም ገፅና https://t.e/tigrignafana
ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/
ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision
ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna
https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!
ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት
https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ።