ምዝዛም ህንፀት ግድብ ህዳሰ ንኢትዮጵያ ብዝተፈላለዩ ዓውዲታት ክብ ንኽትብል ከምዝሕግዝ ሙሁራን ገሊፆም
ኣዲስ ኣበባ ፣ 18 ሰነ፣ 2013 (ኤፍ ቢ ሲ)ምዝዛም ህንፀት ግድብ ህዳሰ ንኢትዮጵያ ብዝተፈላለዩ ዓውዲታት ክብ ንኽትብል ከምዝሕግዝ ሙሁራት ጉዳይ ማይን ተመራመርቲ ቁጠባዊ ሃፍቲን ገሊፆም።
ኣብ ዩኒቨርሲቲ ባህርዳር መምህር ፖለቲካ ሳይንስን ዓለም ለኸ ርክብን ከምኡ እውን ተመራማሪ ጉዳይ ሃፍቲ ማይ ዶክተር ውብእግዜር ፈረደ፥ ፕሮጀክት ግድብ ህዳሰ ኢትዮጵያ ናብ ስራሕ ምእታዉ ሓዱሽ ምዕራፍ ታሪኽ ዝኸፍት ኢዩ፡፡
ኢትዮጵያ ኣብቲ ዞባ ዘለዋ ተደማፅነት ጂኦ-ፖለቲካ ኣብ ምዕባይ ልዑል ግደ ከምዘለዎ እውን ኣብሪሀሆም፡፡
ምስ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት ፃንሒት ዝገበሩ በዓል ሞያ ቁጠባዊ ሃፍቲን ተንታኒ ጉዳያት ሶሺዮ-ኢኮኖሚን ኣይተ ዋሲሁን በላይ ብግደኦም፥ ማሕለኻ ዘፈር ማኑፋክቸሪንግ ዝኾነ ሕፅረት ቀረብ ሓይሊ እቲ ግድብ ሒዙዎ ክመፅእ ዝኽእል ውህብቶ ዕዙዝ ከምዝኾነ ተዛሪቦም፡፡
እኹል ዝኾነ ቀረብ ሓይሊ ሓደሽቲ ዓውዲታት ቢዝነስ ክፋለጡ ኣብ ምግባር ዝህልዎ ኣስተዋፅኦ ልዑል ከምዝኾነ እውን ገሊፆም፡፡
ህንፀት እተ ፕሮጀክት ጋህዲ ንምግባር ካልኦት ዓቕሚታት ብምዕባይ ተወሰኽቲ ፕሮጀክታት ንምህናፅ ዝሕግዝ ኢዩ ኢሎም፡፡
ዓቢዪ ግድብ ህዳሰ ንምዝዛም ኢሉ እውን ሓደሽቲ ፕሮጀክታት ንምህናፅ ሓድነት ምጥንኻርን ዝተጀመሩ ስራሕቲ ምትሕብባር ምንቕቓሕ ክግበር ከምዝግባእ ኣተሓሳሲቦም፡፡
ብኣወል ኣበራ
እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦
ቴሌግራም ገፅና https://t.e/tigrignafana
ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/
ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision
ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna
https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!
ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት
https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ።