Fana: At a Speed of Life!

ቤት ምኽሪ ፀፅታ ሱዳንን ግብፂን ብመሪሕነት ሕብረት ኣፍሪካ እናተኻየደ ዝርከብ ድርድር ንኸኽብሩ ናይ ባዕሉ ግደ ንኽዋፃ ተሓቲቱ

ኣዲስ ኣበባ ፣ 18 ሰነ፣ 2013 (ኤፍ ቢ ሲ)ቤት ምኽሪ ፀፅታ ሱዳንን ግብፂን ብመሪሕነት ሕብረት ኣፍሪካ እናተኻየደ ዝርከብ ድርድር ግድብ ህዳሰ ንኸኽብሩ ናይ ባዕሉ ግደ ንኽዋፃ ኢትዮጵያ ሓቲታ።

ኢትዮጵያ ነቲ ቤት ምኽሪ ኣብ ዝፀሓፈቶ ደብዳበ፥ ሱዳንን ግብፂን ቤት ምኽሪ ፀፅታ ኣብ ከይዲ ድርድር ንኸኣቱ ፃውዒት ዘቕረበኦ ሓሳብ ውድቂ ገይራቶ፡፡

ኣብቲ ደብዳበ ተግባር እተን ሃገራት ብመሪሕነት ሕብረት ኣፍሪካ እናካየዶ ዝርከብ ድርድር ዘየኽበረን ኣብ ሞንጎ እተን ሃገራት ዘሎ ምትእምምማን ዝሽርሽር ከምዝኾነ ገሊፃ፡፡

ታሕተዎት መፋስስቲ ሃገራት ብመሪሕነት ሕብረት ኣፍሪካ ድርድር ካብ ዝጅምር እዋን ኣትሒዙ ትሽዓተ ግዘ ከይዲ እቲ ድርድር ከምዘቋፀኦ እውን ኣገንዚባ፡፡

ካብዚ ሓሊፉ ድማ ዘይተሓለለ ፃዕሪ እቲ ሕብረት ዘይምኽባረንን ሃነፅቲ ልዝባት ብተደጋጋሚ ከምዝነፀጋን ኣብቲ ደብዳበ ተፀሪሑ፡፡

ክልቲአን ሃገራት ኣብቲ ግድብ ኣድሂቦም ኣብ ዝካየዱ ዘተታት ግቡእ ዘይኮኑ ጉዳያት ምእታወን ዘሓበረ እቲ ደብዳበ፥ ኣድላዪ ብዘይኮነ መልክኡ እቲ ጉዳይ ናይ ፀፅታን ዓለም ለኻዊ ትሕዝቶን ክላበስ ብምግባር ሕብረት ኣፍሪካ ዝመርሖ ድርድር ንምትዕንቓፍ ምፍታነን ገሊፁ፡፡

ካብዚ ሓሊፉ ሊግ ዓረብ ክኣቱ ብምግባር እቲ ጉዳይ ብዝበለፀ ንምትሕልላኽ ፈቲነን ኢየን ዝበለ እቲ ደብዳበ፥ ግደ እቲ ሕብረት ብዘይምኽር ኣብ ግድብ ህዳሰ ዝግበር ድርድር ንምትእጉጓልን ንምንዋሕን ምፍታነን ኣብሪሁ፡፡

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅና https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.