ኣምባሳደር ታዬ ኣፅቀስላሴ ምስ ሓለፍቲ ስራሕ ቤት ፅሕፈት ምትሕብባር ጉዳያት ሰብኣዊ መሰል ውሕመ ተዛቲዮም
ኣዲስ ኣበባ ፣ 18 ሰነ፣ 2013 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ውድብ ሕቡራት መንግስታት(ውሕመ) ቀዋሚ ልኡኽ ኢትዮጵያ ኣምባሳደር ታዬ ኣፅቀስላሴ ምስ ሓለፍቲ ስራሕ ቤት ፅሕፈት ምትሕብባር ጉዳያት ሰብኣዊ መሰል ውሕመ ተዛቲዮም።
ኣምባሳደር ታዬ ምስ ዳይሬክተር እቲ ቤት ዕዮ ሬና ጌላኒን ምክትል ዳይሬክተር ጋዳ ኤልታሂርን ከምዝተዛተዩ ካብ ቀዋሚ ልኡኽ ኢትዮጵያ ውመሕ ዝረኸብናዮ መረዳእታ ይሕብር።
ኣብ እዋን እቲ ዘተ፥ ኣብ ትግራይ ብዛዕባ ዘሎ ሰብኣዊ ጉዳይ ብዝምልከት እቲ ቤት ፅሕፈት ብመረዳእታ ዝተደገፈ ፀብፃብ ክህሉ ከምዝግባእ ኣፅንኦት ምሃቦም ተገሊፁ።
ብተወሳኺ ኣብቲ ክልል ዝተገበረ ሓገዝ ንዘድሊዮም ዜጋታት ብኣግባቡ ከምዝበፅሐ ንምርግጋፅ ምስ መንግስቲ ብምትሕብባር ምስራሕ ኣድላዪ ከምዝኾነ ኣብሪሆም።
እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦
ቴሌግራም ገፅና https://t.e/tigrignafana
ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/
ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision
ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna
https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!
ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት
https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።