ኣብ ዞባ ካፋ ዝተወሰኑ ጣቢያታት መረፃ ዘጋጠመ ሕፅረት ወረቐት መረፃ ንምትዕርራይ እናተሰርሐ ከምዝኾነ ተገሊፁ
ኣዲስ ኣበባ ፣ 14 ሰነ፣ 2013 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ዞባ ካፋ ዝተወሰኑ ጣቢያታት መረፃ ሕፅረት ወረቐት መረፃ ከምዘጋጠመ ጣቢያና ብዝገበሮ ትዕዝብቲ ኣረጋጊፁ።
እቲ ሕፅረት ወረቐት መረፃ ንምትዕርራይ ትርፊ ወረቐት መረፃ ካብ ዝሓዙ ጣቢያታት ብምውሳድ እናተኸፋፈለ ከምዝኾነ ሓላፊ መተሓባበሪ መረፃ ዞባ ካፋ ኣሕመድ ኣባተማም ገሊፆም።
ጣቢያና ኣብ ዝተፈላለዩ ጣቢያታት መረፃ ብዝገበሮ ዑደት፥ ነዋሕቲ ሪጋታት መራፃይ ሕብረተሰብ ከምዘለዉን ሕፅረት ወረቐት መረፃ ሕዚ እውን ኣብ ዝተወሰኑ ጣቢያታት መረፃ ከምዘሎን ተዓዚቡ ኢዩ።
ብፍሬህይወት ሰፊው
እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦
ቴሌግራም ገፅና https://t.e/tigrignafana
ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/
ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision
ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna
https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!
ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት
https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።