Fana: At a Speed of Life!

ኣብ መዓልቲ መረፃ ክትትል ሰብኣዊ መሰላት ዝገብሩ ሰብ ሞያ ከምዘዋፈረ ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰላት ገሊፁ

ኣዲስ ኣበባ፣ 13 ሰነ፣ 2013(ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ መዓልቲ መረፃ ክትትል ሰብኣዊ መሰላት ዝገብሩ ሰብ ሞያ ከምዘዋፈረ ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰላት ኢትዮጵያ ኣፍሊጡ።

እቲ ኮሚሽን፥ ኣብ ዝተመሓየሸ መጣየሺ ኣዋጅ ዓንቀፅ 6 መሰረት ብምግባር ኣብ እዋን መረፃ ኣተሓሕዛ ሰብኣዊ መሰላት ክትትል ናይ ምግባር ስልጣንን ሓላፍነትን ተዋሂቡዎ ኢዩ፡፡

ስለዝኾነ ድማ ፅባሕ ኣብ ዝካየድ 6ይ ሃገራዊ መረፃ ኩነታት ሰብኣዊ መሰላት ንምክትታል ጉጅለ ተኸታተልቲ መረፃ ኣጣይሹ መረፃ ኣብ ዝካየደለን ኩለን ክልላት ሰብ ሞያ ምውፋሪ ገሊፁ፡፡

እቲ ዝተጣየሸ ጉጅለ ኣብ መዓልቲ መረፃን ድሕሪ መረፃን ኣብ ዘለዉ መዓልቲታት ኣብ ጣቢያታት መረፃ እንተይተረፈ ተረኺቦም ትዕዝብቲ ክገብሩ ኢዮም ተባሂሉ፡፡

ካብዚ ብተወሳኺ ድማ መረፅቲ፣ መተሓባበርቲ መረፃ፣ ኣካላት ፀፅታ፣ ፓርቲታት ፖለቲካ፣ ተመረፅቲ ሕፁያት፣ ተዓዘብቲን ካልኦት መዳርግቲ ኣካላትን ብምዝርራብ ሓበሬታታት ከምዘተኣኻኽቡ ከምኡ እውን ኣብ ጣቢያታት ፖሊስን ትካላት ጥዕናን ተረኺቦም ኣድላዪ ክትትል ከምዝገብሩ ተሓቢሩ፡፡

ዋና ዳይሬክተር እቲ ኮሚሽን ዶክተር ዳንኤል በቀለ፥ ኣብ እዋን መረፃ ሰብኣዊ መሰላት ከምዝተኸበሩ ምርግጋፅ ናይ ኩሎም መዳርግቲ ኣካላት ሓላፍነት ከምዝኾነ ብምግላፅ፣ ኩሎም መዳርግቲ ኣካላት ስራሕቲ እቲ ኮሚሽን ንምዕዋት ኣብ መጣየሺ ኣዋጅ እቲ ኮሚሽን ብግልፂ ዝተቐመጠ መምርሒ መሰረት ብምግባር ግቡኦም ክዋፅኡን ኣብ ስራሕቲ ምክትታል ንዝተዋፈሩ ሰብ ሞያ እቲ ኮሚሽን ኣድላዪ ምትሕብባር ክገብሩን ፀዊዖም፡፡

ዝኾነ ይኹን ሰብ ምስ ኣተሓሕዛ ሰብኣዊ መሰላት ዝተተሓሓዘ ሓበሬታ ንኣባላት እቲ ጉጅለ ክትትል ከቕርብ ዝኽእል እንትኸውን፥ ብናፅ መስመር ስልኪ እቲ ኮሚሽን 7307 ብምድዋል ሓበሬታ ክህብ ከምዝኽል እውን ካብቲ ኮሚሽን ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ፡፡

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅና https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.