Fana: At a Speed of Life!

ቀዳማይ ሚኒስትር ዶክተር ኣቢይ ኣሕመድ ናብ ጊኒ ኣምሪሖም

ኣዲስ ኣበባ፣ 28 ታሕሳስ፣ 2012 (ኤፍ ቢ ሲ)ቀዳማይ ሚኒስትር ፌዴሪኢ ዶክተር ኣቢይ ኣሕመድ ዕላዊ ዑደት ስራሕ ንምግባር ናብ ጊኒ ኣምሪሖም።

እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብ ጊኒ ኮናክሪ እንትበፅሑ ፕሬዚዳንት ሪፐብሊክ ጊኒ ፕሮፌሰር ኣልፋ ኮንዴ ኣቀባብላ ገይረሙሎም።

እቲ ዑደት ኣብ መንጎ ክልቲአን ሃገራት ዘሎ ርክብ ናብ ዝለዓለ ብርኪ ክብ ንምባል ዝዓለመ ከምዝኾነ ተገሊፁ።

ፕሬዚዳንት ሪፐብሊክ ጊኒ ፕሮፌሰር ኣልፋ ኮንዴ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ተመሳሳሊ እዋን ኣብ ኢትዮጵያ ዕላዊ ዑደት ስራሕ ከምዝገበሩ ይዝከር።

ኣብቲ እዋን ድማ፥ ስትራቴጂክ ርክብ ክልቲአን ሃገራት ዘጠናኽሩ መመስረቲ ናይ ሓባር ኮሚሽን ሚኒስትራት ስምምዓት ገይሮም ኢዮም።

ኣብ ዓውዲታት ትምህርቲ፣ ጥዕና፣ ማኔጅመንት ገንዘብ፣ ሕርሻን ባህሊን ቱሪዘዝምን ንምትሕብባር ዘኽእሉ ስምምዓት እውን ተፈራሪሞም ምንባሮም ይዝከር።

ብኣልኣዛር ታደለ

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.