Fana: At a Speed of Life!

ሰብ ሃፍቲ ብሪታኒያ ኣብ ኢትዮጵያ ኣብ ኢንቨስትመንት ፋርማሲዩቲካልን መሳርሒታት ሕክምናን ንኽዋፈሩ ፃውዒት ቀሪቡ

ኣዲስ ኣበባ፣ 8 ሰነ፣ 2013 (ኤፍ ቢ ሲ)ብኣሰናዳእነት ኤምባሲ ኢትዮጵያ ኣብ ለንደንን ፓርተን ኣድቫይዘሪ ኣፍሪካን “ጥጡሕ ኩነታት ኢንቨስትመንት ኣብ ኢትዮጵያ” ብዝብል መሪሕ ቃል ኣብ ለንደን ዘተ ተሳሊጡ፡፡

ኣብቲ መድረኽ ዘተ፥ ሓለፍቲ ስራሕ ቤት ዕዮ ዓለም ለኸ ምትሕብባር ሚኒስቴር ጉዳያት ወፃኢ ብሪታኒያን ሰብ ሃፍቲን፣ ዳይሬክተር ንግዲን ኢንቨስትመንትን ኢትዮጵያ ኣብ ብሪታኒያ፣ ኮሚሽን ኢንቨስትመንት ኢትዮጵያ፣ ምምሕዳር ምግቢን ኣፋውስን ኢትዮጵያ፣ ማሕበር ኣፍረይቲ ፋርማሲቲዩካል ኢትዮጵያን ካልኦት መዳርግቲ ኣካላትን ተሳቲፎም፡፡

ኣምባሳደር ኢትዮጵያ ኣብ ብሪታኒያ ተፈሪ መለሰ፥ ኣብ ኢትዮጵያ ኣብ ኢንቨስትመንት ፋርማሲዩቲካልን መሳርሒታት ሕክምናን ኣብ ትልሚ ልምዓት 10 ዓመት ትኹት ዝተውሃቦ ዓውዲ ከምዝኾነ ብምግላፅ፤ እቲ ዓውዲ በቢዓመቱ ብማእኸላይ ልዕሊ 15 ሚኢታዊ ምዕባለ እናርአየ ስለዝኾነ ንኢንቨስትመንት ልዑል ተመራፅት ኣለዎ ኢሎም፡፡

ፍሉይ ልኡኽ ንግዲ ቀዳማይ ሚኒስትር ብሪታኒያ ኣብ ኢትዮጵያ ሎርድ ባቴስ ብግደኦም፥ ሃገሮም ክካብ ሕብረት ኣውሮፓ ምውፃኣ ስዒቡ ዘይሻራዊ ዝኾነ ዓለም ለኸ ንግዲ ንምኽታል ብዝተዘርገሐ ሓዱሽ ፖሊሲ ሓደን ዋናን ትኹረቱ ሃገራት ኣፍሪካ ከምዝኾነ ብምግላፅ፤ ኢትዮጵያ ቀንዲ መባፅሒት ኢንቨስትመንት ንምግባር ኣብ ዝግበር ፃዕሪ ሓገዝ ገንዘብ ከመዝተዳለወ ተዛሪቦም፡፡

ዳይሬክተር ፕሮሞሽን ኮሚሽን ኢንቨስትመንት ኢትዮጵያ ኣይተ ኣስቻለው ታደሰ፥ ኣብ ኢትዮጵያ መሳርሒታት ሕክምና ንምፍራይ ዘህርፍን ጥጡሕን ኩነታት ኢንቨስትመንት ከምዘሎ ምግላፆም ካብ ቤት ፅሕፈት ኣቐባሊ ቃል ሚኒስቴር ጉዳያት ወፃኢ ዘውረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ፡፡

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅና https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5…ይግበሩ/ራ!

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.