ኣምባሳደር ረታ ኣለሙ ምስ ኣምባሳደር ሩሲያ ተዛቲዮም
ኣዲስ ኣበባ፣ 8 ሰነ፣ 2013 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣምባሳደር ኢትዮጵያ ኣብ እስራኤል ረታ ኣለሙ ምስ ኣምባሳደር ሩሲያ ኣብታ ሃገር ኣናቶልይ ቪክቶሪቪ ኣብ እዋናዊ ኩነታት ኢትዮጵያ ኣድሂቦም ተዛቲዮም።
ኣብ ዘተኦም ድማ 6ይ ሃገራዊ መረፃ ናፃ፣ ተኣማኒን ዝኾነን ሰላላማዊ ኮይኑ ንኽዛዘምን መንግስቲ ዴሞክራሲያዊ ምህዳር ኣስፊሑ እኹል ምድላው ምግባሩ ገሊፆም፡፡
ኣምባሳደር ረታ ኣብ ክልል ትግራይ ዘሎ እዋናዊ ኩነታት ብዝምልከት፥ መንግስቲ ቀረብ ሰብኣዊ ሓገዝ ኣጠናኺሩ ከምዝቐፀለ፣ ተመዛበልቲ መሊስካ ንምጥያሽን ኣብ ጉዳይ መሊስካ ህንፀትን ብዙሓት ስራሕቲ እናሰርሐ ከምዝኾነ ኣብሪሆም።
እቶም ኣምባሳደር ኣብ መብርሂኦም፥ ከይዲ ድርድር ግድብ ህዳሰ ከምኡ እውን ጉዳይ ውጥጥ ዶብ ኢትዮ- ሱዳን ኣመልኪቶም ቅዋም ኢትዮጵያ ገሊፆምሎም።
ኣምባሳደር ኣናቶሊይ ብግደኦም፥ ሓድነትን ሉኣላውነትን ኢትዮጵያ ክኽበር ከምዝግበኦ ቅዋም መንግስቲ ሃገሮም ከምዝኾነ ገሊፆም፡፡
ኣብ ሞንጎ ኢትዮጵያን ሩሲያን ዘሎ ታሪኻዊ ርክብን ርክብ ህዝቢ ምስ ህዝቢ ንምጥንኻር መንግስቶም ድሌት ከምዘለዎ ምግላፆም እውን ካብ ሚኒስቴር ጉዳያት ወፃኢ ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ።
እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦
ቴሌግራም ገፅና https://t.e/tigrignafana
ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/
ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision
ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna
https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5…ይግበሩ/ራ!