Fana: At a Speed of Life!

ኣብ ትግራይ ብልዕሊ 41 ሚሊየን ብር ዝተዓደጋ 20 ትራክተራት ንዝተፈላለያ ወረዳታት ተኸፋፊለን

ኣዲስ ኣበባ፣ 30 ግንቦት፣ 2013 ዓ. ም(ኤፍ ቢ ሲ)ትካል ተራድኦ ኣሜሪካ (USAID) ምስ ማሕበራዊ ረድኤት ትግራይ (ማረት) ብምትሕብባር ብ41 ነጥቢ 6 ሚሊየን ብር ዝተዓደጋ 20 ትራክተራት ን6 ወረዳታት ትግራይ ከምዝተኸፋፈላ ማረት ገሊፃ።

እተን ትራክተራት ኣብቲ ክልል ብሰንኪ ወራር ኣምበጣን ኣብዚ ዓመት ዘጋጠመ ፀገም ፀፅታን መሰረት ብምግባር ነተን ወረዳታት ከምዝተውሃባ ተገሊፁ።

በዚ ድማ ልዕሊ 14 ሺሕን 280 ሓረስቶት ተረባሕቲ ከምዝኾኑ ዝተገለፀ እንትኸውን፥ በተን ትራክተራት ኣቢሉ ብማእኸላይ 3 ሺሕን 570 ሄክታር መሬት ክሕረስ ኢዩ ዝብል ትፅቢት ኣሎ።

እተን ትራክተራት ምስ ሙሉእ ናውተን ዝተኸፋፈላ ከምዝኾናን ን60 ኦፕሬተራት ናይ 4 ወርሒ መሃያ ከምዝተኸፈሎምን ኣብ ማሕበራዊ ሚዲያ ማረት ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ።

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ

ቴሌግራም ገፅና https://t.me/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5…

ይግበሩ/ራ!

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.