Fana: At a Speed of Life!

መንግስቲ ሓዊሱ ተነሓናሕቲ ፓርቲታት ፖለቲካ ንሰለማዊነት ሓፈሻዊ ምርጫ ሓላፍነቶም ንምክዋፅኡ ፃውዒት ቀሪቡ

ኣዲስ ኣበባ ፣ 30 ግንቦት፣ 2013 (ኤፍ ቢ ሲ)ጉባኤ ጳጳሳት ካቶሊካዊት ቤተክርስቲያን ኢትዮጵያ፥ መንግስቲ ሓዊሱ ተነሓናሕቲ ፓርቲታት ፖለቲካ ንሰለማዊነት ሓፈሻዊ ምርጫ ሓላፍነቶም ንምክዋፅኡ ፃውዒት ኣቕሪቡ።

እቲ መበል ሻድሻይ ሃገራዊ ምርጫ ናፃ፣ ገለልተኛ፣ ፍትሓዊ፣ ተኣማኒ፣ ዴሞክራሲያዊን ሰለማዊን ንክኸውን እቶም ኣካላት ግደኦም ነክዋፅኡ ኢዩ እቲ ፃውዒት ቀሪቡ።

እቲ ጉባኤ ኣብ ዝፀሓፎ ሰታሪት፥ ቦርድ ምርጫ ኣብ መንጎ ፓርቲታት ፖለቲካን ህዝብን ዝበለፀ ምቅርራብን ምርድዳእን ንክነግስ ንዝቐርቡ ሕቶታት እዋናዊ ምላሽ ብምሃብ ነቲ ዝካየድ ምርጫ ፍትሓውነትን ሰላማውነትን ግድኡ ንክዋፃእ ሓቲቱ።

ብሄርን ሃይማኖትን መሰረት ዝገበሩን ዝተፈላለዩ መበገሲ ምኽኒያታት ክዋሃብዎም ዝኽእሉን ጎንፂታት ኣብ ዝተፈላለዩ ከባቢታት እዛ ሃገር ከምዘጋጠሙ ብምዝኽኻር፥ እዚ ድማ ንምምዝባል፣ ሞትን ዕንወት ንብረትን ዜጋታት ምኽኒያት ከምዝኾነ እቲ ጉባኤ ሓቢሩ።

እቲ ምርጫ ብሰላም ንክዛዘምን ሓድነት ህዝቢ ተጠናኺሩ ምዕባለ ሃገር ንክቀላጠፍን መንግስቲ ኣብ ልዕሊ ዜጋታት መጥቃዕቲ ንከይበፅሕ ኣድላዪ ሓለዋ ንክገብር ይግባእ ኢሎም።

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅና https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.