Fana: At a Speed of Life!

ኣብ ኣዲስ ኣበባ 500 ሺሕ ኣባይቲ ኣብ ሓሙሽተ ዓማውቲ ንምህናፅ ዝተገበረ ስምምዕነት ስዒቡ ዝናፈሱ ወረታት ሓሶት ከምዝኾኑ ተገሊፁ

ኣዲስ ኣበባ፣ 30 ጉንበት፣ 2013(ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ኣዲስ ኣበባ 500 ሺሕ ኣባይቲ ኣብ ሓሙሽተ ዓማውቲ ንምህናፅ ዝተገበረ ስምምዕነት ስዒቡ ዝናፈሱ ወረታት ሓሶት ከምዝኾኑ ቢሮ ልምዓት ኣባይቲን ምምሕዳርን ኣዲስ ኣበባ ኣፍሊጡ።

እቲ ቢሮ ኣብ ከይዲ አእቲ ስምምዕነት ኣድሂቡ ጋዜጣዊ መግለፂ ሂቡ።

ሓላፊት ቢሮ ልምዓት ኣባይቲን ምምሕዳርን ዶክተር መስከረም ዘውዴ፥ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ልዕሊ 650 ሺሕ ነበርቲ ተመዝጊቦም መንበሪ እናተፀበዩ ከምዝኾኑ ብምግላፅ፤ እቲ ምምሕዳር ቅድሚ ሕዚ እናተግበሮ ብዝነበሮ ኣሰራርሓ ሕቶ ንምምላስ ልዕሊ 30 ዓመት ከምዘድሊ ገሊፆም።

እቲ ፀገም ንምፍታሕ ዝተፈላለዩ ኣማራፂታት እናተሰርሑ ከምዝኾኑ ዝገለፃ እተን ሓላፊት፥ ምስ ናይ ወፃኢ መልማዕቲ ስምምዕነት ከምዝተገበረ ተዛሪበን።

ስለዝኾነ ድማ ምስ ኩባኒያታት ሕቡራት ኢሚሬታት ዓረብን ደቡብ ኣፍሪካን ስምምዕነት ከምዝገበረ ብምሕባር፥ እቶም ኩባኒያታት ኣብቲ ዓውዲ ዘሎ ፀገም ፋይናንስን ቴክኖሎጂን ከምዝፈትሑ ኣብሪሀን።

ምክትል ሓላፊ ዘፈር ህንፀት እቲ ቢሮ ኣርክቴክት ጃርሶ ጎሊሳ ብግደኦም፥ ምስቶም ኩባኒያታት ዝተገበረ ስምምዕነት ሕጋዊ ከይዲታት ዝሓለፈ ከምዝኾነ ገሊፆም።

ይኹን እምበር ምስ ደቡብ ኣፍሪካዊ ኩባኒያ ፕሮፐርቲ 2000 ዝተበፅሐ ስንንዕነት ስዒቡ ናይ ሓሶት ሓበሬታታት እናተጋውሑ ከምዝኾኑን እቶም ሓበሬታታት ሓሶት ከምዝኾኑን ገሊፆም።

እቲ ኩባኒያ ልዕሊ 30 ዓመት ልምዲ ዘለዎ ከምዝኾነን ኣብ ኢትዮጵያ ንምውፋር ልዕሊ ሰለስተ ዓመት ድሌት እናርኣየ ምፅንሑን ገሊፆም።

እቲ ስምምዕነት ምስ ምብፃሕ እዋን መረፃ ተተሓሒዙ ዝለዓል ሓበሬታ እውን ዝተሓለፉ ከይዲታት ኣብ ግምት ዘእተወ ከምዘይኮነ ኣብሪሆም።

ብኣፈወርቅ እያዩን ይስማው ኣደራው

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ

ቴሌግራም ገፅና https://t.me/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5…

ይግበሩ/ራ!

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.