Fana: At a Speed of Life!

ኣገልግሎት ሓደ ማእኸል ኤሌክትሮኒክስ ዕላዊ ኮይኑ

ኣዲስ ኣበባ፣ 25 ታሕሳስ፣ 2012 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣገልግሎት ሓደ ማእኸል ኤሌክትሮኒክስ ኢትዮጵያ ኣብ ቤትፅሕፈት ቀዳማይ ሚኒስቴር ሎሚ መዓልቲ ዕላዊ ኮይኑ።

ኣብቲ ስነስርዓት ቀዳማይ ሚኒስትር ፌዴሪኢ ዶክተር ኣቢይ ኣሕመድ ሓዊሱ ሚኒስትራት፣ ኣምባሳደራት፣ መራሕቲ ዝተፈላለዩ ትካላትን ብኽብሪ ፃውዒት ዝተገበረሎም ኣጋይሽን ተረኺቦም።

ቀዳማይ ሚኒስተር ዶክተር ኣቢይ፥ እቲ ኣገልግሎት ምምሕያሽ ሃገር በቆል ኢኮኖሚ ካብ ዝበሃሉ ምስላጥ ንግዲ ሓደ ኢዩ ኢሎም።

እቲ ኣገልግሎት ተግባራዊ ዋላ እንተተገበረ ብዙሓት ዝቐርዩ ስለዘለውዎ ዓውዲ ንግዲ ቅልጡፍ ንክኸውን መሰራሕ ከምዘድሊ ሓቢሮም።

ንዘፈር ውልቀ ዝምቹ ሓደሽቲ ነገራት ምምሃዝ እንተዘይተኻኢሉ መዕባለ ምርግጋፅ ስለዘይከኣል መንግስቲ ነዚ ከምድልድል ኮይኑ ከምዘገልግል ተዛሪቦም።

እቲ ሓዱሽ ኣገልግሎት ብቴክኖሎጂ ብምድጋፍ ሰርቂ ንምቕናስ ከምዝሕግዝ እውን ገሊፆም።

ሚኒስትር እቶት ወይዘሮ ኣዳነች ኣበቤ በግደአን፥ እቲ ኣገልግሎት ሓደ ማእኸል ዝተፈላለያ ሃገራት ብንግዲ ተወዳደርቲ ንክኾና ዓሊመን ኣብ ረብሐአን ከምዘውዕልኡ ገሊፀን።

ስለዝኾነ ሎሚ መዓልቲ ዕላዊ ምዃኑ፥ ኣብ ኢትዩጵያ ቅልጡፍ ኣገልግሎት ንግዲ ንምሃብ ከምዝሕግዝ ሓቢረን።

እቲ ሓዱሽ ኣገልግሎት ብዙሕ መዓልታት ዝወስድ ዝነበረ ኣሰራርሓ ኣብ ምምሕያሽ ልዑል ተራ ከምዝህልዎ እውን ተዛሪበን።

ብኣላዛር ታደለ

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.