Fana: At a Speed of Life!

19 ሺሕን 739 ጠያይቲ ናብ ባህርዳር ንምእታው ዝፈተኑ ውልቀ ሰባት ኣብ ትሕቲ ቁፅፅር ውዒሎም

ኣዲስ ኣበባ ፣ 26 ጉንበት፣ 2013 (ኤፍ ቢ ሲ)19 ሺሕን 739 ተተኮስቲ ጠያይቲ ኣብ ባጃጅ ፅዒኖም ናብ ባህርዳር ንምእታው ዝፈተኑ ክልተ ውልቀ ሰባት ኣብ ትሕቲ ቁፅፅር ምውዓሉ ኮሚሽን ጉምሩኽ ጨንፈር ቤት ፅሕፈት ባህርዳር ኣፍሊጡ።

መካየዲ ስራሕ እቲ ጨንፈር ቤት ፅሕፈት ኣይተ ኣለነ መሃሪ ንግልጋሎት ዜና ኢትዮጵያ ከምዝገለፁዎ፥ እቶም ውልቀ ሰባት ስራሕ ቱርኪ ዝኾኑ ጠያይቲ ሽጉጥ ካብ ዞባ ምዕራብ ጎንደር ወረዳ ቋራ ከተማ ደለጎ ናብ ባህርዳር ንምእታው እንትፍትኑ ትማሊ ድሕሪ ቀትሪ ሰዓት ትሽዓተ ኣብ ትሕቲ ቁፅፅር ውዒሎም።

እቶም ውልቀ ሰባት ቆድ ቁፅሪ 1-43622 ኣ.ማ ብዝኾነት በዓልቲ ሰለስተ እግሪ ባጃጅ ተሸከርካሪት ፅኖም ናብ ከተማ ባህርዳር ከእትዉ እንትፍትኑ ሰራሕተኛታት ጉምሩኽ ሻውራን ፖሊስ ፌዴራልን ብዝገበሩዎ ምትሕብባር ኬላ ፍተሻ ከምዝሓዙ ተዛሪቦም።

እቶም ተጠርጠርቲ ውልቀ ሰባት ናብ ፖሊስ ተመሓላሊፎም ጉዳዮም ንኽፃረ እናተገበረ ምዃኑ እውን ኣብሪሆም።

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ

ቴሌግራም ገፅና https://t.me/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5…

ይግበሩ/ራ!

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.