Fana: At a Speed of Life!

ብቤት ፅሕፈት ቀዳማዊት እመቤት ዝናሽ ታያቸው ዝተሃነፀ ቤት ትምህርቲ ኢፋ ቢሊቃ ተመሪቑ

ኣዲስ ኣበባ፣ 26 ጉንበት፣ 2013 (ኤፍ ቢ ሲ)ቀዳማዊት እመቤት ዝናሽ ታያቸው ብቤት ፅሕፈትን ኣቢለን ኣብ ክልል ኦሮሚያ ወረዳ ሃዊ ጉዲና ዘህነፀኦ ካልኣይ ብርኪ ቤት ትምህርቲ ኢፋ ቢሊቃ መሪቐን።

እቲ ቤት ትምህርቲ ብር 13 ነጥቢ 8 ሚሊየን ወፃኢ ከምዝተገበረሉ ተሓቢሩ፡፡

ብኽልተ ፈረቓ 1 ሺሕን 800 ተምሃሮ ተቐቢሉ ከተኣናግድ ኢዩ ዝተብሃለ እቲ 2ይ ብርኪ ቤት ትምህርቲ፥ ቤተ ፈተነ፣ መምሃሪ ክፍሊታት፣ ኣቢያተ መፅሓፍን ላብራቶሪ ኮምፒተርን ዘካተተ ኢዩ።

ኣብቲ ስነ-ስርዓት ምረቓ ቀዳማዊት እመቤት ዝናሽ ታያቸው ሓዊሱ ርእሰ ምምሕዳር ክልል ኦሮሚያ ኣይተ ሽመልስ ኣብዲሳን ካልኦት ሓለፍቲ ስራሕ እቲ ክልልን ተረኸቦም።

ብፈትያ ዓብደላ

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ

ቴሌግራም ገፅና https://t.me/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5…

ይግበሩ/ራ!

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.