Fana: At a Speed of Life!

ዶላር ነራብሕ ኢና ብምባል ተግባር ምጭብርባር ዝፈፀሙ ውልቀሰባት ኣብ ትሕቲ ቁፅፅር ውዒሎም

ኣዲስ ኣበባ፣ 25 ጉንበት፣ 2013 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ከተማ ኣዲስ ኣበባ ክፍለ ከተማ ቦሌ ዶላር ነራብሕ ኢና ብምባል ተግባር ምጭብርባር እናፈፀሙ ዝነበሩ ውልቀሰባት ኣብ ትሕቲ ቁፅፅር ከምዝወዓሉ ኮሚሽን ፖሊስ ፌደራል ኣፍሊጡ።

እቶም ውልቀሰባት ካሜሮናዊን ኢትዮጵያዊትን እንትኾኑ፥ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ክፍለ ከተማ ቦሌ ወረዳ 8 ፍሉይ ሲ ኤም ሲ ተባሂሉ ኣብ ዝፅዋዕ ከባቢ ኢዮም ኣብ ትሕቲ ቁፅፅር ውዒሎም ዘለዉ፡፡

ግለሰቦቹ በቁጥጥር ስር በዋሉበት ሰዓት ዶላር እናባዛለን በማለት ለማጭበርበሪያ የሚጠቀሙባቸው ሁለት ካርቶን የጠቆረ ዶላር መሳይ ወረቀትና ሁለት ጠርሙስ ኬሚካል ይዘው መገኘታቸው ታውቋል

ኣብ ትሕቲ ቁፅፅር ኣብ ዝወዓሉሉ እዋን ዶላር ነራብሕ ኢና ብምባል ንምጭብርባር ዝጥቀሙሎም ክልተ ዝፀለመ ዶላር ዝመስል ወረቐትን ክልተ ጥርሙዝ ኬሚካልን ሒዞም ከምዝተረኸቡ ተፈሊጡ።

ገበን ኢንተለጀንስ ኮሚሽን ፖሊስ ፌዴራል ካብ ሕብረተሰብ ብዝበፅሖ ሓበሬታ ንኽልቲኦም ውልቀ ሰባት ኣብ ትሕቲ ቁፅፅር ዘውዓሎም እንትኸውን፥ ኣብዚ ሕዚ እዋን ኣብ ልዕሊ እቶም ተጠርጠርቲ ምርመራ እናተገበረ ከምዝርከብ ካብቲ ኮሚሽን ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ፡፡

ሕብረተሰብ ከምዚ ዓይነት ዘይሕጋዊ ተግባር ኣብ ልዕሊ ዝፍፅሙ ውልቀሰባት ሓበሬታ ብመሃብ እናሰርሖ ዝርከብ ሓገዝን ምትሕብባርን ኣጠናኺሩ ክቕፅል ከምዝግባእ እውን ፃውዒት ኣቕሪቡ፡፡

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ

ቴሌግራም ገፅና https://t.me/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5…

ይግበሩ/ራ!

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.