ኣሜሪካ ምስ ፍልስጤም ዘለዋ ዝምድና ከምእተመሓይሽ ገሊፃ
ኣዲስ ኣበባ ፣ 18 ግንቦት፣ 2013 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣሜሪካ ምስ ፍልስጤም ዝነበራ ርክብ ዳግም ከም እተሐድሶ ገሊፃ።
ብተወሳኺ ኣብ እየሩሳሌም ቆንስላ ቤት ፅሕፈት ከም እትኸፍት ቃል ከምዝኣተወት ተገሊፁ።
ካብዚ ሓሊፉ ብምኽንያት እቲ ንዝሓለፉ 11 መዓልታት ዝተኻየደ ጎንፂ እስራኤልን ፍልስጤምን ዝዓነወት ጋዛ ዳግም ኣብ ምህናፅ ሓገዝ ከም እትገብር ኢያ ገሊፃ።
እዚ ሓሳብ፥ ሚኒስትር ጉዳያት ወፃኢ ኣሜሪካ ኣንቶኒ ብሊንከን ምስ መራሕቲ ፍልስጤም ከምኡ’ውን ቀዳማይ ሚኒስትር እስራኤል ኣብ ዝተራኸብሉ ኢዩ ተገሊፁ።
እቶም ሚኒስትር ጉዳያት ወፃኢ፥ ሃገሮም ንድሕነት እስራኤል እትገብሮ ቐፃሊ ሓገዝ ኣብ ቦትኡ ምዃኑ ነቶም ቀዳማይ ሚኒስትር ኣረጋጊፀሙሎም።
ኣንቶኒ ብሊንከን ትማሊ ምስ ፕሬዚዳንት ማሕሙድ ኣባስን ቀዳማይ ሚኒስትር መሓመድ ሽታየህን ድሕሪ ዘካየድዎ ዘተ፥ ኣብ ክሊ ምሕያል ርክብ ኣሜሪካን ፍልስጤምን”ተዛቲና ክብሉ ኣብ ማሕበራዊ ሚዲያ ትዊተር መልእኽቶም ኣስፊሮም።
ፍልፍል፦ቢቢሲ
እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦
ቴሌግራም ገፅና https://t.e/tigrignafana
ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/
ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision
ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna
https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!
ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት
https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።