ቻይና ንክልል ትግራይ ዝኸውን ሓገዝ ኣቑሑት ሕክምና ኣበርኪታ
ኣዲስ ኣበባ፣ 17 ጉንበት፣ 2013(ኤፍ ቢ ሲ)ቻይና ንክልል ትግራይ ዝኸውን ሓገዝ መከላኸሊ ኮቪድ-19ን ንግልጋሎት ሕክምና እውዕሉ ኣቑሑት ሕክምናን ኣበርኪታ።
እቲ ሓገዝ፥ ካውንስለር ንግዲን ኢኮኖሚን ኤምባሲ ቻይና ኣብ ኢትዮጵያ ሊ ዩ ንዋና ፈፃሚ ስራሕ ግዚያዊ ምምሕዳር ክልል ትግራይ ዶክተር ኣብራሃም በላይ ኣረኪቦምዎም።
ሸውዓተ ንመተንፈሲ ዝሕግዙ መሳርሒታት (ቬንትሌተሮች)፣36 ሺሕ መሸፈኒ ኣፍን ኣፍንጫ ከምኡ እውን 1 ሺሕን 500 ክዳንቲ ሕክምና ዘካተተ ሓገዝ ከምዝኾነ ተገሊፁ።
ካብዚ ብተወሳኺ ሓገዝ ሕክምና ንመሃብ ዘኽእሉ መሳርሒታትን ኣቑሑት ሕክምና ሓገዝ ከምዝተገበረ እውን ተሓቢሩ።
እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ
ቴሌግራም ገፅና https://t.me/tigrignafana
ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/
ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision
ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna
https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5…
ይግበሩ/ራ!