መዓልቲ ኣፍሪካ ይኽበር ኣሎ
ኣዲስ ኣበባ፣ 17 ጉንበት፣ 2013(ኤፍ ቢ ሲ)በዓልቲ መዓልቲ ኣፍሪካ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ይኽበር ኣሎ።
እቲ መዓልቲ ከም ኣቆፃፅራ ኣውሮፓውያን ኣብ 1963 ምምስራት ሕብሪካ ኣፍሪካ ስዒቡ ኢዩ ዝኽበር፡፡
መዓልቲ ኣፍሪካ፥ ኣብ ዝተፈላለያ ሃገራት ከምኡ እውን ኣብ ኣዲስ ኣበባ ብዝተፈላለዩ መርሃ ግበሪታት እናተኸበረ ይርከብ፡፡
ኣብ ኣዲስ ኣበባ እናተኻየደ ኣብ ዝርከብ ስነ-ስርዓት ኣከባብራ ሚኒስትር ዲኤታ መናእሰይ፣ ደቂ ኣንስትዮን ህፃናትን ወይዘሮ ህይወት ሃይሉ ሓዊሱ መቐመጢኦም ኣብ ኣዲስ ኣበባ ዝገበሩ ኣምባሳደራት ዝተፈላለያ ሃገራት ዝተረኸቡ እንትኾኑ፥ ስነ-ፅሑፍ፣ ስእሊ፣ ሓድጊን ታሪኽን ኣፍሪካ ዝገልፁ ስነ-ጥበባዊ ምርኢታት ቀሪቦም፡፡
እቲ መዓልቲ ምኽንያት ብምግባር ፕሬዚዳንት ሩሲያ፣ ሚኒስትር ጉዳያት ወፃኢ ቱርኪ ሜቭሉት ቻቩሶግሉ ሓዊሱ ዝተፈላለዩ መራሕቲ ሃገራት መልእኽቲ እንኳዕ ኣብፀሐኩም ኣመሓላሊፎም፡፡
እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ
ቴሌግራም ገፅና https://t.me/tigrignafana
ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/
ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision
ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna
https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5…
ይግበሩ/ራ!