Fana: At a Speed of Life!

ኣብ ክልል ትግራይ ማእኸለረ ናፃ ፃውኢት ስልኪ ኮቪድ-19 ዳግም ስራሕ ንምጅማር ኣብ ስምምዕነት ተበፂሑ

ኣዲስ ኣበባ ፣ 13 ጉንበት፣ 2013 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ውድብ ጥዕና ዓለም ኣብ ክልል ትግራይ ማእኸለረ ናፃ ፃውኢት ስልኪ ኮቪድ-19 ዳግም ስራሕ ንምጅማር ምስ መንግስቲ ኢትዮጵያ ተሓባቢሩ ንምስራሕ ኣብ ስምምዕነት ምብፅሑ ኣፍሊጡ።

እቲ ማእኸል ፃውዒት ካብ ሓበሬታታት ቫይረስኮሮና ብተወሳኺ ምስ ዓሶ፣ ንፍዮ፣ ኮሌራን ኣንቅፂን ዝበሉ ሕማማት ተተሓሒዦም ዝለኣኹ ሓበሬታታት ከምዘብፅሕ ተገሊፁ።

ኣብ ትግራይ ወፍሪ ምሕባር ሕጊ ኣብ ዝተኸየደሉ እዋን እቲ ማእኸል ስርሑ ኣቋፁ ዝነበረ እንትኸውን፥ ቅድሚኡ ኣብ ሰሙን ክሳብ 20 ሺሕ ፃውዒታት ስልኪ እናተቐበለ ከምዝነበረ ሺንዋ ፀብፂቡ።

ሓበሬታታት ኮቪድ-19 ሓዊሱ ካልኦት ጥዕና ተንከፍ ሓበሬታ ካብ ምቕራቡ ብተወሳኺ፥ ፆታዊ መጥቃዕቲ ንዝበፅሐን ምስጢሩ ዝሓለወ ግልጋሎት ምኽሪ ከምዝወሃብ እውን ተሓቢሩ።

ኢትዮ ቴሌኮም ነቲ ማእኸል ዘድልዩ ወሰንቲ ኣቑሑት ብናፃ ዘቕረበ እንትኸውን፥ ውድብ ጥዕና ዓለም ድማ ዝተፈላለዩ ሓገዛት ገይሩ ኢዩ።

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ

ቴሌግራም ገፅና https://t.me/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5…

ይግበሩ/ራ!

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.