እስራኤልን ፍልስጤምን ዝፈፀምዎ ስምምዕ ምቁራፅ ተዅሲ ንገስጋስ ቅኑዕ መገዲ ዘርኢ ከምዝኾነ ፕሬዚዳንት ጆ ባይደን ገሊፆም
ኣዲስ ኣበባ ፣ 13 ግንቦት፣ 2013 (ኤፍ.ቢ.ሲ)እስራኤልን ፍልስጤማዊ ዕጡቕ ጉጅለ ሓማስን ንዝበፅሕዎ ስምምዕ ምቁራፅ ተዅሲ ተግባራዊ ከምዝገበሩ ተገሊፁ።
እቲ ዓርቢ ወጋሕታ ዝጀመረ ምቁራፅ ተዅሲ ነቲ ንልዕሊ 240 ሰባት ዝቐተለን ን11 መዓልታት ዝቐፀለን ደብዳብ መዛዘሚ ከምዝገበርሉ ኢዩ ተሓቢሩ።
እቲ ስምምዕ ተግባራዊ ድሕሪ ምዃኑ ፍልስጤማውያን ናብ ጎደናታት ክወፅኡ እንከለው፥ ሓማስ ኣፃብዕቱ ኣብ ቃታ ምህላው ኣጠንቂቑ።
እስራኤልን ሓማስን ነቲ ጎንፂ ከም ዝተዓወቱሉ እዮም ዝዛረቡ።
ፕሬዚዳንት ኣሜሪካ ጆ ባይደን እቲ ምቁራፅ ተዅሲ ንገስጋስ ትኽክለኛ መገዲ ዘርኢ ከምዝኾነ ተዛሪቦም።
እስራኤል ብሓሙስ ኣብ ጋዛ ንዝርከብ ትሕተ ቅርፂ ሓማስ ዕላማ ዝገበረ ልዕሊ 100 ናይ ኣየር መጥቃዕታት ክተካይድ እንከላ፥ ሓማስ ብወገኑ ሮኬታት ናብ እስራኤል ተዂሱ ኢዩ።
ፍልፍል፦ ቢቢሲ
እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦
ቴሌግራም ገፅና https://t.e/tigrignafana
ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/
ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision
ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna
https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!
ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት
https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።