ባንኪ ኣዋሽ ንዝተፈላለዩ ትካላት 17 ነጥቢ 9 ሚሊየን ብር ሓገዝ ገይሩ
አዲስ አበባ ፣ ግንቦት 11 ፣ 2013 (ኤፍ ቢ ሲ)ባንኪ ኣዋሽ ንዝተፈላለዩ ትካላት 17 ነጥቢ 9 ሚሊየን ብር ሓገዝ ከምዝገበረ ኣፍሊጡ።
እቲ ባንኪ ዝገበሮ ደገፍ ማሕበራዊ ሓላፍነቱ ንምውፃእ ዝዓለመ ኢዩ ተባሂሉ።
ብመሰረት እዚ ሎሚ መዓልቲ ኣብ ኢሊሊ ኢንተርናሽናል ሆቴል ኣብ ዝተዳለወ መርሃ ገብሪ ደገፍ፥ ፍሉይ ደገፍ ንዝጠልቡ ትካላት ሓጊዝ ገንዘብ ገይሩ።
ንምርኣይን ምስማዕን ዝተስኣኖም ብሄራዊ ማሕበር ኢትዮጵያ 700 ሺህ ብር፣ ዶክተር ነጋሶ ጊዳዳ ፋውንዴሽን 1 ነጥቢ 2 ሚሊየን ብር፣ ኤስ ኤን ቪ ኔዘርላንድስ ዴቨሎፕመንት ኦርጋናይዜሽን 2 ሚሊየን ብር፣ ኬር ኢትዮጵያ 2 ሚሊየን ብር ደገፍ ገይሩ።
ብተወሳኺ ሴንትሮ ኣሉቶ ፐር ኢትዮጵያ 2 ሚሊየን ብር ከምኡውን ንዲቦራ ፋውንዴሽን 10 ሚሊየን ብር ደገፍ ከምዝገበረ ኣብ ዝለኣኾ መግለፂ ሓቢሩ።
እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦
ቴሌግራም ገፅና https://t.e/tigrignafana
ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/
ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision
ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna
https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!
ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት
https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።