ኢትዮጵያ ንኽብራን ነፃነታን ዘይትደራደር ከምዝኾነት ኩሉ ክግንዘብ ኣለዎ -ቀ/ ሚ ኣቢይ ኣሕመድ
ኣዲስ ኣበባ ፣ 10 ግንቦት ፣ 2013 (ኤፍ ቢ ሲ)ኢትዮጵያ ንኽብራን ነፃነታን ፍፁም ዘይትደራደር ከምዝኾነት ኩሉ ክግንዘብ ኣለዎ ክብሉ ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ ገሊፆም።
ካብ ሎሚ መዓልቲ ጀሚሩ ክሳብ 16 ግንቦት 2013 ዓ.ም ኣብ ፓርክ ሕውነት ዝኽበር መርሃ ግብሪ ሰሙነ ኢትዮጵያ እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር ብዕሊ ኣጀሚሮም።
እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብ ዝገበርዎ መደረ፥ ኢትዮጵያ ንኽብራን ነፃነታን ፍፁም ዘይትደራደር ከምዝኾነት ኩሉ ክግንዘብ ኣለዎ ኢሎም።
ኢትዮጵያ ብብዙህነት ማንነታ ደሚቓ እትረአ ፣ ናይ ፀለምቲ ህዝብታት ኩርዓትን ተምሳሌት ነፃነትን ከምዝኾነት ተዛሪቦም።
ስለዝኾነ እዛ ሃገር ኩሉ ሰብ ብዕሊ ክፈልጣን ክርደኣን ይግባእ ኢሎም።
ዓምዩቕ ሃፍቲ ኢትዮጵያ ብሓባር ብምልማዕን ብምምዕባልን ኩልና ንናይ ሓባር ብልፅግና ክንሰርሕ ይግባእ ምባሎም ግዜኢ ፀብፂቡ።
እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦
ቴሌግራም ገፅና https://t.e/tigrignafana
ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/
ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision
ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna
https://www.youtube.com/c/fanabroadcastingcorporate/ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!
ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት
https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።