ግብፅን ሱዳንን ኣብ ሩባ ኣባይ ዝሓዝኡ ቅዋም ንዓለም ለኻዊ ሕጊ ዝፃባእ ከምዝኾነ ተገሊፁ
ኣዲስ ኣበባ፣ 10 ግንቦት፣ 2013 ( ኤፍ ቢ ሲ)ግብፅን ሱዳንን ኣብ ኣብ ፖሊሲ ተባሕነት ሩባ ኣባይ ዝሓዝኡ ቅዋም ንዓለም ለኻዊ ሕጊ ዝፃባእ ከምዝኾነ ኣማኻሪ ዶብን ዶብ ተሻጋሪን ሃፍቲታት ሚኒስቴር ጉዳያት ወፃኢ ኣምባሳደር ኢብራሂም እድሪስ ገሊፆም።
ሚኒስቴር ጉዳያት ወፃኢ ኣብ ክሊ ግድብ ህዳሰ ኢትዮጵያ በምድሃብ ምስ ኣመራርሓታት ፓርቲታት ፖለቲካ ተዛቲዩ።
ኣብቲ ዘተ መበገሲ ፅሑፍ ዘቕረቡ ኣምባሳደር ኢብራሂም፥ “ቅዋም ክልቲአን ሃገራት ኣብ ልዕሊ ኢትዮጵያ ለዕልነት ማይ ፅዕንቶ ምፍጣር ኢዩ” ኢሎም።
ንኣብነት ገብፂ ቅድሚ 150 ዓመታት ንኢትዮጵያ ብሓይሊ ንምቁፅፃር ብዛዕባ ምፍታና፣ ብኽፋል አወን ከባቢ ጣና ንምሓዝ ፃዕሪ ምግባራ ኣዘኻኺሮም።
ኣብዚ ሐዚ እዋን ኣብ ስራሕ ኣብ ዘሎ ሕገ መንግስታ እውን ግብፂ ናይ ወሓዚ ሩባ ኣባይ ብሕታዊት በዓልቲ ዋና ብዛዕባ ምዃና ዕላዊ ከመዝገበረት ተዛሪቦም።
ብኻሊእ መዳይ ኢትዮጵያ ንከይትለምዕ ዓለም ለኻዊ ፅዕንቶ ብምግባር ልቓሕን ሓገዝን ንከይትረከብ ከምዝሰርሐት ኣዘኻኺሮም።
ግብፅን ሱዳንን ኣብ ክሊ ህዳሴ ግድብ ዘለወን ቅዋም ሩባ ኣባይ ብብሕታውነት ናይ መጥቃም ፖሊሲ ከምዝኾነን እዚ ድማ ንዓለም ለኻዊ ሕጊ ዝፃባእ ከምዝኾነ ኣረዲኦም።
እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦
ቴሌግራም ገፅና https://t.e/tigrignafana
ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/
ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision
ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna
https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!
ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት
https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።