ኣብ ዝሓለፉ ትሽዓተ ኣዋርሕ ልዕሊ 571 ሚሊየን ኪሎ ዋት ሰዓት ሓይሊ ካብ ብኽነት ሓይሊ ምንካይ ተኻኢሉ
ኣዲስ ኣበባ፣ 10 ጉንበት፣ 2013 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ዝሓለፉ ትሽዓተ ኣዋርሕ ልዕሊ 571 ሚሊየን ኪሎ ዋት ሰዓት ሓይሊ ካብ ብኽነት ሓይሊ ምንካይ ከምዝተኽኣለ ኣገልግሎት ኤሌክትሪክ ኢትዮጵያ ኣፍሊጡ።
እቲ ኣገልግሎት ኣብ ትሽዓተ ኣዋርሕ በጀት ዓመት 2013 ዓ.ም ቴክኒካዊ ዝኾኑን ዘይኮኑን ብኽነት ሓይሊታት ንምክልኻል ብዝገበሮ ስራሕቲ ምክትታልን ምቁፅፃርን፥ 571 ሚሊየን 714 ሺኽን 689 ኪሎ ዋት ስዓት ሓይሊ ኢነርጂ ካብ ብኽነት ምድሓን ከምዝተኽኣለን ናብ ገንዘብ እንትቕየር ብር 135 ሚሊየን 856 ሺሕን 871 ምድሓን ከምዝተኽኣለን ተሓቢሩ፡፡
ብኽነት ምንካይ ዝኸኣለ ድማ ስርቂ ኤሌክትሪክ ብምክልኻል፣ ብትኽክል ዘይሰርሑ፣ ዝተቓፀሉ፣ ጠጠው ዝበሉ ቆፀርቲ ብእዋኑ ክቕየሩ ምግባር፣ ለውጢ ታሪፍ ዘድሊዮም ዓማዊል ለውጢ ምግባር፣ ቢል ዘይወፅአሎም ዓማዊል ናብ ሲስተም ከኣትዉ ብምግባር፣ ዘይተፈቐደ ምፅዓን ሓይሊ ብምቁፅፃር፣ ካብ ልክዒት ቆፃሪ ወፃእ ዝተገጠመ ኣውቶማቲክ ፊዩዥን ብምቕያር፣ ኣብ ላዕለዎትን ማእኸለዎትን ኢንዱስትሪ ዓማዊል ዝተረኸበ ናይ መራብሒ ስሕተት ምስትኽኻል፣ ናይ ኣታዊ ደረሰኝ ዘይብሎም ክህልዎም ብምግባርን ከሰል ቴክኒካዊ ዘይኮኑ ብኽነት ሓይሊ ንምንካይ ዘኽእሉ ስራሕቲ ብምስራሕ ከምዝኾነ ካብቲ ኣገልግሎት ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ፡፡
እቲ ትካል ቴክኒካዊ ዘይኮኑ ብኽነታት ንምንካይ 2 ሺሕ ዝኾኑ መንበቢ ቆፃሪ ሲኤምኣርኣይ መሳርሒታት ብዝተስተኻኸለ ሶፍትዌር ዲዛይን ብምፅዓን ናብ ስራሕ ዘእተወ እንትኸውን፥ ካብ 50 ሺሕ ዘይንእሱ ስማርት ቆፀርቲ ናይ ምግጣም ስራሕቲ እናሰርሐ ከምዝርከብ ተገሊፁ፡፡
እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ
ቴሌግራም ገፅና https://t.me/tigrignafana
ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/
ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision
ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna
https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5…
ይግበሩ/ራ!