ብፁእ ወቅዱስ ፓትሪያርክ ኣቡነ ማትያስ ብዝተፈላለዩ ቋንቋታት ዝተተርጎመ ቃለ ኣዋዲ ብዕሊ መሪቖም
ኣዲስ ኣበባ ፣ 6 ጉንበት፣ 2013 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ፓትሪያርክ ኦርቶዶክ ተዋህዶ ቤተክርስቲያን ኢትዮጵያ ብፁእ ወቅዱስ ፓትሪያርክ ኣቡነ ማትያስ ብዝተፈላለዩ ቋንቋታት ዝተተርጎ ቃለ ኣዋዲ ብዕሊ መሪቖም።
ኦርቶዶክ ተዋህዶ ቤተክርስቲያን ኢትዮጵያ ትምረሐሉ ቃለ ኣዋዲ፥ ብመምርሒ መዋደዲ ሰበኻ ጉባኤ ኣቢሉ ብቋንቋት ትግርኛ፣ እንግሊዝኛን ኦሮሚኛን ተተርጒሙ ዝተሰናደአ ኢዩ፡፡
እቲ ቃለ ኣዋዲ ድማ ብፁእ ወቅዱስ ፓትሪያርክ ኣቡነ ማትያስ ቀዳማዊ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ዘኢትዮጵያ ሊቀ ጳጳስ ዘኣክሱም ወእጨጌ ዘመንበረ ተክለሃይማኖት ብዕሊ ከምዝመረቑዎ ካብ መረኻቢ ሓፋሽ እታ ቤተ ክርስቲያን ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ፡፡
ኣብቲ ስነስርዓት ምረቓ ዋና መካየዲ ስራሕ ቤት ፅሕፈት መንበረ ፓትሪያርክ ብፁእ ኣቡነ ያሬድ፣ መዋደዲ ሰበኻ ጉባኤን ሊቀ ጳጳስ ሃገረ ስብከት ኣርሲ፣ ብፁኣን ኣቦታት ሊቀ ጳጳሳት፣ ሓለፍቲ ነናይ መምርሒ ላዕለዋይ ቤተ ክህነትን ዕድመ ዝተገበረሎም ኣጋይሽን ተረኺቦም፡፡
እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ
ቴሌግራም ገፅና https://t.me/tigrignafana
ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/
ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision
ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna
https://www.youtube.com/c/fanabroadcastingcorporate/ሰብስክራይብ
ይግበሩ/ራ!