Fana: At a Speed of Life!

ብሄራዊ ግልጋሎት መርበብ ሓበሬታን ድሕንነትን ን532 ሰብ ሞያታት ግብረ ሓይሊ ፀረ ግብረ ራዕዲ ስልጠና ሂቡ

ኣዲስ ኣበባ፣ 22 ታሕሳስ፣ 2012 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ብሄራዊ ግልጋሎት መርበብ ሓበሬታን ድሕንነትን ካብ መላእ ሃገር ትካላት ፀጥጻን ኻበሬጻን ንዝተውፃእፅኡ ን532 ሰብ ሞያታት ግብረ ሓይሊ ፀረ-ግብረ ራዕዲ ስልጠና ምሃቡ ኣፍሊጡ።

እቲ ግልጋሎት ምስ ምክልኻል ሃገር፣ ኮሚሽን ፖሊስ ፌዴራል፣ ኮሚሽን ፖሊስ ኣስ ኣበባን ብሄራዊ ግልጋሎት መርበብ ሓበሬታን ድሕንነትን ዝተውፃእፅኡ ሰብ ሞያታት ኢዩ ስልጠና ዝሃበ።

እቲ ስልጠና ኣብዚ ሕዚ እዋን ብብርኪ ዓለምን ቀርኒ ኣፍሪካን እናተጋፍሐ ዝመፅአ ምንቅስቓስ ግብረ-ራዕዲ፣ ብልሓትን ስግኣትን፣ ሜላታት ምክልኻልን ከምኡ እውነ ኣብ አዋናዊ ጉዳያት ዘድሃበ ኢዩ ተባሂሉ።

ኣብ ቀረባ እዋን ኣብ ሃገራት ቀርኒ ኣፍሪካን ማእኸልይ ኣፍካን ብሓይሊታት ግብረ ራዕዲ ኣልሸባብ፣ ኣልቃይዳን ኣይኤስን ዝበፅሑ መጥቃዕቲታት ግብረ ራዕዲ፥ ኣብ ኢትዮጵያ ንኸየጋጥሙ ሓይሊታት ፀፅታ ጥንቃቐ ንኽገብሩን መጥቃዕቲ ግብረ ራዕዲ ናይ ምክልኻል ዓቕሞም ንኸጎልብቱን እቲ ስልጠና ልዑል ግደ ከምዘለዎ እውን ተገሊፁ።

ኩሉ ህብረተሰብ ሰላም ክዘርጉ ዝኽእሉ ምንቅስቓሳት እንተዕዘብ፥ ኣብ ቀረቡኡ ንዝርከቡ ትካላት ፅፅታን ሓበሬታን ኣድላዪ መረዳእታ ንክህቡ ብሄራዊ ግልጋሎት መርበብ ሓበሬታን ድሕንነትን ፃውዒት ኣቕሪቡ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.