መበል ሻድሻይ ሃገራዊ ምርጫ ንምትዕንቓፍ ብሕቡእ ተወዲቦም እንትንቀሳቐሱ ናይ ዝነበሩ ጉጅለታት እኩይ ሽርሒ ከምዘፍሸለ ግብረ ሓይሊ ድሕነትን ፀፅታን ኣፍሊጡ
ኣዲስ ኣበባ፣ 27 ሚያዝያ፣ 2013(ኤፍ ቢ ሲ)መበል ሻድሻይ ሃገራዊ ምርጫ ንምትዕንቓፍ ብሕቡእ ተወዲቦም እንትንቀሳቐሱ ናይ ዝነበሩ ጉጅለታት እኩይ ሽርሒ ከምዘፍሸለ ግብረ ሓይሊ ድሕነትን ፀፅታን ኣፍሊጡ።
ኣብ ሃገራት ወፃኢ ብዝነብሩ ውሱናት ፅንፈኛታት ኣባላት ዲያስፖራ ደገፋት ፋይናንስ፣ ሓሳብን ሎጀስቲክስን ኣብ ዉሽጢ ዓዲ ዓመፅን ጎንፅን ተልዕኾ ብምሃብ ንክፍፅሙ ብሕቡእ ንዝወደቡዎም አካላት ብምውፋር ህውከትን ዕግርግርን ብምፍጣር መበል ሻድሻይ ሃገራዊ ምርጫ ንምትዕንቓፍ ብሕቡእ ተወዲቦም እንትንቀሳቐሱ ከምዝነበሩ ግብረ ሓይሊ ድሕነትን ፀፅታን ገሊፁ።
ብዝተገበረ ክትትል ድማ ኣወዳድበኦም፣ ኣመራርሓ፣ ዘይሕጋዊ መሳርሒታት ኩይናት፣ ዝተፈላለዩ ናውቲታት፣ ዝውውር ደገፍ ገንዘብ ዝተገበረሎም መረዳእታታት፣ እቲ ተልእኾ ዝምልከት ዝተፈላለዩ መረዳእታት ተዋዲዶም ስጉምቲ ይውሰድ ከምዘሎ እቲ መግለፂ ሓቢሩ።
እቶም ብሕቡእ ተወዲቦም ዝንቀሳቐሱ ዝነበሩ ጉጅለታት ምስ ውሱናት ኣባላትን ኣመራርሓን መንግስቲ ፖለቲካን ፀፅታን ሚስጢራዊ ረኽቢ ብምፍጣር ዒላማ ዝተገበሩ ቁልፊ ኣመራርሓ ፈሊዮም ብምቕንፃል ሃገራዊ ትርምስ ንምፍጣር ዘኽእል ሽርሒ ብምሓዝ ይንቀሳቀሱ ከምዝነበሩ ኣብሪሁ።
‹‹ብዛዕባ አዲስ አበባ ስቕ ኣይንብልን›› ብዝብል ኣብ ውሽጢ ዓዲን ወፃኢን ብዝርከቡ ውልቀ ሰባት ዝተፈጠረ ኣወዳድባ ኣብታ ከተማ ንዝርከቡ ኣተሓባበርቲ ሕቡእ ጉጅለ ዝተፈላለዩ ተልእኾታት እንትወሃብ ነይሩ ኢሉ።
ክሳብ 300 ዝኾኑ ኣባል መናእሰይ ብምውዳብ ትልሚ ብምሓዝ ምድላው ዓመፅ ይግበር ከምዝነበረ ድማ ተገሊፁ።
ህውከትን ዕግርግርን ብምፍጣር መበል ሻድሻይ ሃገራዊ ምርጫ ብምትዕንቓፍ ብሓይሊ ናብ ስልጣን ንምድያብ ብሕቡእ ዝንቀሳቐስ ሓይሊ ካብ መንጎ ዝመርሑ ዝነበሩ ብጉድለት ስነ ምግባር ካብ ሰራዊት ዝተሰናበተ ሃምሳ አለቃ ይሁኔ ጀምበሬ ሓደ ከምዝኾነ እቲ መግለፂ ሓቢሩ፡፡
ኮማንደር ኣባል ሰራዊት ነበር ሙሉጌታ ፅጌ ጥላሁን ዝተብሃለ ግለሰብ እውን ምስ ሃምሳ አለቃ ይሁኔ ጀምበሬ ብሕቡእ ይንቀሳቐስ ከምዝነበረ ተገሊፁ።
እቶም ውልቀሰባት ብተደጋጋሚ ካብ አዲስ አበባ ናብ ክልል ኣምሓራ ዝተፈላለዩ አካባቢታት ብምንቅስቓስ መናእሰይ እንትምልምሉን ስልጠና እንትህቡን ፀኒሖም ኢዮም።
ብተወሳኺ ኣብ አዲስ አበባን ካልኦት ከባቢታትን ብዕጥቂ ዝተደገፈ ዓመፅ ብምፍጣር ዝተዋደደ ሁውከት ንምፍጣር ብሕቡዕ እንትንቀሳቀሱ ነይሮም ኢሉ።
ኣብ አሜሪካ ምስ ዝነብር ፕሮፌሰር አበራ መሸሻ ዝተብሃለ ግለሰብ ህግን ስርዓትን ብዝጠሓሰ ብስውር መገዲ 85 ገፅ ዘለዎ ሕገወጥ ሓዱሽ ረቂቅ ሕገመንግስቲ ብምድላው ሓደ ሺሕ ኮፒ ተሓቲሙ ንክብተን ኣብ ምድላው እናሎ ኢድ ብኢድ ከምዝተትሓዘ ተገሊፁ።
እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦
ቴሌግራም ገፅና https://t.e/tigrignafana
ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/
ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision
ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna
https://www.youtube.com/c/fanabroadcastingcorporate/ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!
ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት
https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።