Fana: At a Speed of Life!

ርክብ ህዝቢታት ዓፋርን ሶማሌን ንምጥንኻር ዓሊሙ ዝተሳለጠ መድረኽ ዘተ ተዛዚሙ

ኣዲስ ኣበባ፣ 22 ታሕሳስ፣ 2012 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ርክብ ህዝቢታት ዓፋርን ሶማሌን ንምጥንኻር ዓሊሙ ኣብ ከተማ ኣዳማ ዝተሳለጠ መድረኽ ዘተ ተዛዚሙ።

እቲ መድረኽ ዘተ፥ ሚኒስቴር ሰላምን ጉባኤ መማኽርቲ ዓበይቲ ዓዲ ኢትዮጵያን ምስ ጀስትስ ፎር ኦል ፕሪዝን ፌሎሽፕ ኢትዮጵያ ብምትሕብባር ተሰናዲኡ “ህብረ-ብሄራዊ ሓድነትና ንምጥንኻር ውሽጣዊ ፀገማትና ብዘተ ንፍታሕ!” ብዝብል መሪሕ ቃል ኢዩ ንኽልተ መዓልቲታት ክሳለጥ ዝቐነየ።

ኣብቲ መድረኽ፥ ካብ ክልቲአን ክልላት ዝተውፃእፅኡ ዓበይቲ ዓዲ፣ መራሕቲ ሃይማኖት፣ ሓለፍቲ ስራሕ መንግስቲን ፍሉጣት ውልቀ ሰባትን ተሳቲፎም።

ኣብ እዋን እቲ ዘተ፥ ኣብ ሞንጎ መዋሰንቲ ከባብታት ክልቲአን ክልላት ዝፍጠሩ ጎንፂታትን  መፍትሒ ሓሳባትን ብዝምልከት ዓሚቕ ዘተን ክትዕን ድሕሪ ብምግባር በዓል ሸሞንተ ነጥቢ መግለፂ ቅዋም ኣውፂኦም።

ኣብ መግለፂ ቅዋሞም ድማ፥ ኣብ ሞንጎ ክልቲኦም ህዝቢታት ሰላም ንምዕሳልን ካብ ክተልቲአን ክልላት ዝተወከሉ ዓበይቲ ዓዲ ምስ መንግስቲ እተን ክልላትን መነግስቲ ፌዴራልን ብምዝርራብ ዘላቒ መፍትሒ ንምምፃእ ከምዝሰርሑን ተስማዕሚዖም።

ብተወሳኺ፥ ብዘይ ኣግባብ ዝተኣሰሩ ዜጋታት ንኽፍትሑ፣ ሓደሽቲ ሰፈራታት ንግዚኡ ጠጠው ንምባል፣ ተፈናቐልቲ ናብ መረበቶ ንምምላስን ዳግም ክጣየሹ ንምግባርን ከምኡ እውን ብማሕበራዊ ሚዲያን መራኸብቲ ሓፋሽን ዝፍነዉ ህዝቢ ምስ ህዝቢ ጎንፂ ዝፈጥሩ ሓበሬታታት ቁፅፅር ክግበረሎም ንምግባር ምስምዕመዖም ካብ ሚኒስቴር ሰላም ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.