ፈንድ ልምዓት ኣፍሪካ ኣብ ኢትዮጵያ ንህፃናት ዝተመጣጠነ ምግቢ ንምቕራብ 31 ነጥቢ 2 ሚሊየን ዶላር ሓገዝ ኣፅዲቑ
ኣዲስ ኣበባ፣ 25 ሚያዝያ፣ 2013 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ፈንድ ልምዓት ኣፍሪካ ኣብ ኢትዮጵያ ትሕቲ 5 ዓመት ንዝኾኑ ህፃናት ዝተመጣጠነ ምግቢ ንምቕራብ ድኽዳኸ ንምክልኻን 31 ነጥቢ 2 ሚሊየን ዶላር ሓገዝ ኣፅዲቑ።
እቲ ሓገዝ ትሕቲ ሓሙሽተ ንዝኾኑ ህፃናት ዝቐርብ ኩለመዳይ ዝተመጣጠነ ምግቢ ንምድንፋዕ ዓለመ ከምዝኾነ እቲ ፈንድ ኣፍሊጡ።
ጥዕና ንምምሕያሽ፣ ዝተፈላለዩ ዝተመጣጠኑ ዓይነታት ምግቢ ንምቕራብ፣ ኣብ ኣመጋግባ ህፃናት ፍልጠትን ኣመለኻኽታን ንምምሕያሽ ከምኡ እውን ጡብ ምጥዋብ፣ ክንክንን ንፅህናን ንምዕባይ ዝኽግ ሓገዝ ከምዝኾነ ገሊፁ።
እቲ ፕሮጀክት ኣብ ክልላት ትግራይን ኣምሓራን ዝርከቡ 40 ወረዳታት ተግባራዊ ዝግበር ኢዩ ተባሂሉ።
እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ
ቴሌግራም ገፅና https://t.me/tigrignafana
ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/
ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision
ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna
https://www.youtube.com/c/fanabroadcastingcorporate/ሰብስክራይብ
ይግበሩ/ራ!