Fana: At a Speed of Life!

ካልኣይ ዙር ክታበት ኮቪድ 19 ንምጅማር ዘኽእል ምድላው ይግበር ኣሎ-ሚኒስቴር ጥዕና

ኣዲስ ኣበባ፣ 18 ሚያዝያ፣ 2013 (ኤፍ ቢ ሲ)ካልኣይ ዙር ክታበት ኮቪድ 19 ንምጅማር ዘኽእል ምድላው ይግበር ከምዘሎ ሚኒስትር ዴኤታ ሚኒስቴር ጥዕና ወይዘሮ ሰሃረላ ኣብዱላሂ ኣፍሊጠን።

ክታበት ኣስትራዜኒካን ሲኖ ፋርምን ካብ መፈለምታ ወርሒ መጋቢት ጀሚሩ ቀዳማይ ዙር ምሃብ ምጅማሩ ይዝከር።

እተን ሚኒስትር ዴኤታ ከምዝበልኡ፥ 5 ነጥቢ 5 ሚሊየን መጠን ዘለዎ ክታበት ካብ ለገስቲ ሃገራት ክኣቲ ኢዩ ዝብል ትፅቢት ኣሎ።

ብመሰረት እዚ ክሳብ ወርሒ ሕዳር 2014 ዓ.ም 20 ሚሊየን ክታበት ናብ ኢትዮጵያ ንምእታው ትልሚ ብመሓዝ ይስራሕ ኣሎ ኢለን።

ኣብ ቀዳማይ ዙር 470 ሺሕ ዜጋታት ክታበት ምውሳዶም ሚኒስቴር ጥዕና ዘውፅኦ ሓበሬታ የረድእ።

ኣብ ኢትዮጵያ ክሳብ ሐዚ እቲ ክታበት ካብ ዝወሰዱ ሰባት ዘጋጠመ ፀገም ጥዕና ከምዘየለ እውን ተዛሪበን።

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ

ቴሌግራም ገፅና https://t.me/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/c/fanabroadcastingcorporate/ሰብስክራይብ

ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

ኩሉ ጊዜ ምሳና ብምዃኖም/ነን ነመስግን!

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.