Fana: At a Speed of Life!

ሰለማዊን ዴሞክራሲያዊን ምርጫ ንምክያድ መዳርግቲ ኣካላት ሓላፍነቶም ክዋፅኡ ይግባእ-ቤት ምኽሪ ፌዴሬሽን

ኣዲስ ኣበባ ፣ 18 ሚያዝያ፣ 2013 (ኤፍ ቢ ሲ)መበል ሻድሻይ ሃገራዊን ክልላውን ምርጫ ሰለማዊን ዴሞክራሲያዊን ንክኸውን ኩሎም መዳርግቲ ኣካላት ሓላፍነቶም ክዋፅኡ ይግባእ ክብል ቤት ምኽሪ ፌዴሬሽን ሓቲቱ።

ኣፈ ጉባኤ እቲ ቤት ምኽሪ ኣደም ፋራህ፥ እቲ ምርጫ ሰለማዊ፣ ዴሞክራሲያዊን ብህዝቢ ተኣማኒ ንክኸውንን መንግስቲን ተነሓናሕቲ ፓርቲታት ፖለቲካን ልዑል ሓላፍነት ኣለዎም ኢሎም።

መንግስታት ፌዴራልን ክልላትን ነዚ ተገንዚቦም ሓላፍነቶም ንክዋፅኡ ድማ ፃውዒት ኣቕሪቦም።

ቤት ምኽሪ ፌዴሬሽን እቲ ምርጫ ሕገ መንግስቲ ብመሰረት ዘቐመጦ ኣገባብ ንኽካየድ ዝተፈላለዩ ተግባራት ይፍፅም ከምዝነበረ ኣብሪሆም።

ኣብቲ ምርጫ ዝሳተፉ ፓርቲታት ፖለቲካ ኣማረፅቲ ሓሳባት ሰለማዊ ብዝኾነ መገዲ ንህዝቢ ብምቕራብ ድምፂ ንምርካብ ዓሊሙ ክነሓናሕ ከምዝግባእ እውን ገሊፆም።

ፍልፍል፦ግዜኢ

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ

ቴሌግራም ገፅና https://t.me/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/c/fanabroadcastingcorporate/ሰብስክራይብ

ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

ኩሉ ጊዜ ምሳና ብምዃኖም/ነን ነመስግን!

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.