Fana: At a Speed of Life!

2ይ ሃገር ለኸ መድረኽ  ውድድር ክእለት፣ ቴክኖሎጂን ምርምር ተግባራዊ መፅናዕቲን ተዛዚሙ

ኣዲስ ኣበባ፣ 18 ሚያዝያ፣ 2013(ኤፍ ቢ ሲ)2ይ ሃገር ለኸ መድረኽ  ውድድር ክእለት፣ ቴክኖሎጂን ምርምር ተግባራዊ መፅናዕቲን ተዛዚሙ።

እቲ ውድድር ካብ 12 ሚያዝያ 2013 ዓ.ም ጀሚሩ ኣብ ዩኒቨርሲቲ ቴክኒክ ኢትዮጵያ እናተኻየደ ዝፀንሐ እንትኸውን፥ ብሰዓራይነት ምምሕዳር ከተማ ኣዲስ ኣበባ ምዝዛሙ ካብ ቤት ፅሕፈት ፕሬስ ሴክሬታሪያት ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ፡፡

ኤጀንሲ ቴክኒክን ሞያን ስልጠና ትምህርቲን ምምሕዳር ከተማ ኣዲስ ኣበባ ብብርኪ ሃገር ንኻ፤ኣይ ግዘ ኣብ ዝተኻየደ ውድድር ክእለት፣ ቴክኖሎጂን ምርምር ተግባራዊ መፅናዕቲን ዓብላላይ ኮይኑ ብምዝዛም ተሸላሚ ፅዋዕ ኮይኑ፡፡

ሎሚ መዓልቲ ኣብ ዝተኻየደ መርሃ ግብሪ፥ ኣብ ትሕቲ እቲ ኤጀንሲ ዝርከባ ኮሌጃት ማእኸል መሰልጠኒ ሞያን ቴክኒክን ዝተፈላለዩ ፀገማት ዝፈትሑ ቱክኖሎጂታት ዝፈጠሩ ኣሰልጠንቲን ሰልጠንቲን ብሰርተፊኬትን ዝተፈላለዩ ዓውዲታት ተመዚኖም ኢዮም፡፡

ነዚ መሰረት ብምግባር ካብ 1ይ ክሳብ 3ይ ደረጃ ንዘሓዙ ተወዳደርቲ30 ሜዳሊያታት ዝተበርከተሎም እንትኸውን፥ ካብ 1ይ ክሳብ 3ይ ንዝወፅኡ ተሸለምቲ ካብ ብር 25 ሺሕ ጀሚሩ ክሳብ 20 ሺሕ ሽልማት ተበርኪቱሎም፡፡

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ

ቴሌግራም ገፅና https://t.me/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/c/fanabroadcastingcorporate/ሰብስክራይብ

ይግበሩ/ራ!

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.