Fana: At a Speed of Life!

ልዕሊ ብር 30 ሚሊየን ግምታዊ ዋጋ ዘለዎም ኣቑሑት ኮንትሮባን ተታሒዞም

ኣዲስ ኣበባ፣ 18 ሚያዝያ፣ 2013 (ኤፍ ቢ ሲ)ኮሚሽን ጉምሩክ ካብ 7 ክሳብ 14 ሚያዝያ ኣብ ዘሎ ሓደ ሰሙን ልዕሊ ብር 30 ሚሊየን ግምታዊ ዋጋ ዘለዎም ወፃእቲን ኣተውቲን ኣቑሑት ኮንትሮባን ከምዘሓዘ ኣፍሊጡ።

ኣብ ኣተውቲ ኮንትሮባንድ፥ ልዕሊ ብር 25 ሚሊየን ዘውፅኡ ክዳውንቲ፣ ኤሌክትሮኒክስ፣ ኣፋውስ፣ ምግቢ ተንከፍ ሸቐጣ ሸቐጣት፣ ኮስሞቲክስ፣ መለዋወጥቲ፣ ሽጋራን ዝተፈላለዩ መሳርሒታት ኲናትን ከምዝኾኑ ገሊፁ፡፡

ካብ ወፃኢ ኮንትሮ ባንድ ድማ ልዕሊ ብር 4 ሚሊየን ግምታዊ ዋጋ ዘለዎም ዶላር ኣሜሪካ ሓዊሱ ናይ ዝተፈላለያ ሃገራት መተዓዳደጊ ገንዘብ፣ መዐወኒ ሓሽሽን ቡንን ተታሒዞም፡፡

ኣቑሑት ኮምትሮ ባንድ እናንቀሳቐሳ ዝነበራ 21 ተሽከርከርቲ ሓዊሱ ክልተ ተጠርጠርቲ እውን ኣብ ትሕቲ ቁፅፅር ውዒሎም ጉዳዮም ብሕጊ እናተራኣየ ከምዝርከብ ካብ ሚኒስቴር እቶት ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ፡፡

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ

ቴሌግራም ገፅና https://t.me/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/c/fanabroadcastingcorporate/ሰብስክራይብ

ይግበሩ/ራ!

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.