Fana: At a Speed of Life!

ኣብ ህንዲ ኣብ ውሽጢ ኣርባዕተ ደቓይቕ ብምኽኒያት ቫይረስኮሮና ሞት ሓደ ሰብ ይምዝገብ ከምዘሎ ተገሊፁ

ኣዲስ ኣበባ ፣ 16 ሚያዝያ፣ 2013 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ዋና ከተማ ህንዲ፣ ደልሂ ኣብ ውሽጢ ኣርባዕተ ደቓይቕ ብምኽኒያት ቫይረስኮሮና ሞት ሓደ ሰብ ይምዝገብ ከምዘሎ ተገሊፁ።

ህንዲ ኣብ ሓደ መዓልቲ 332 ሺሕን 730 ሓዲሽ መልከፍቲ ምምዝጋባ ይዝከር።

በዚ ድማ እቲ ቁፅሪ ኣብ 24 ሰዓታት ኣብ ሓንቲ ሃገር ኣብ ሓደ መዓልቲ ዝተመዝገበ ዝልዓለ ቁፅሪ ኮይኑ ተመዝጊቡ ኣሎ።

አሁን ላይ በሃገሪቱ የቫይረሱን በከፍተኛ ፍጥነት መዛመት ተከትሎ ሆስፒታሎች የህክምና አገልግሎት መስጠት አለመቻላቸውን ሬውተርስ በዘገባው አመላክቷል፡፡

ኣብታ ሃገር ዘሎ ምልባዕ ቫይረስ ኮሮና ምውሳኹ ስዒቡ ሆስፒታላት ኣገልግሎት ሕክምና ምሃብ ከምዘይከኣሉ ሬውተርስ ፀብፂቡ።

እተን ሆስፒታላት ሕፅረት መተንፈሲ ኦክስጅን ከምዘጋጠመን ብምግላፅ፥ ሰብ ሞያ ሕክምና ኦክስጅን ቤተ ሰብ ተሓከምቲ አንትልምኑ ከምዝተርኣየ ተሓቢሩ።

መንግስቲ እታ ሃገር ካብ ዝተፈላለዩ ከባቢታት ናብ ከተማ ደልሂ ብወተሃደራዊ ኣውሮፕላናትን ባቡርን ኦክስጂን የጎዓዕዝ ከምዘሎ ኣፍሊጡ።

ኣብ ህንዲ ብሓፈሻ 16 ነጥቢ 6 ሚሊየን ሰባት በቲ ቫይረስ እንትልከፉ፥ ክሳብ ሐዚ 189 ሺሕን 544 ሰባት ህይወቶም ስኢኖም ኢዮም።

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ

ቴሌግራም ገፅና https://t.me/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/c/fanabroadcastingcorporate/ሰብስክራይብ

ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

ኩሉ ጊዜ ምሳና ብምዃኖም/ነን ነመስግን!

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.