Fana: At a Speed of Life!

ቤት ምኽሪ ብሄራዊ ድሕንነት ኣብ እዋናዊ ሃገራዊን ቀጠናዊን ጉዳያት ፀፅታን ድሕንነትን ብምድሃብ መግለፂ ሂቡ

ኣዲስ ኣበባ ፣ 16 ሚያዝያ፣ 2013 (ኤፍ ቢ ሲ)ቤት ምኽሪ ብሄራዊ ድሕንነት ኣብ እዋናዊ ሃገራዊን ቀጠናዊን ጉዳያት ፀፅታን ድሕንነትን ብምድሃብ መግለፂ ሂቡ

እቲ ቤት ምኽሪ ንህዝቢ ኣብ ዘመሓላለፎ መልእኽቲ፥ ንዘበናት እናተኣከበ ፀኒሑ ናብ ግዙፍ ጎቦ ዝተለወጠ  ሃገራዊን ቀጠናዊን ፀገማት ኣሸንባይ ባዕልትና እናተጓተትና ሓድነት ፈጢርና እውን ኣብ ውሽጢ ሒደት ዓመታት ካብ ስረ መሰረቶም ዝጠፍኡ ኣይኮኑን ኢሉ።

ስለዝኾነ ኣብ ሃገርና ዘለዉ ፀገማት ብዙሓት ዋላ ይኹኑ፥ ካብ ዓቕሚ ዜጋታት ንላዕሊ ከምዘይኮኑ ፅኑዕ እምነት ኣለና ኢሉ።

እዚ ንምፍታሕ ድማ ሓድነት ወሳኒ ከምዝኾነ ገሊፁ።

ጉዕዞ ለውጢ ኣብ ዝጀመርናሉ እዋን ኩሉ ሰብ ኣብ ልዑል ሞራል ከምዝነበረ ብምግላፅ፥ ኩሉ ብዝተጀመረ ብራኸ መንፈስ ከምዘይዛዘም ግልፂ ኢዩ ከምዝነበረ ኣዘኻኺሩ።

ነቲ በረኻ ከየቋረፅናን ባሕሪ ከይተሻገርናን እቲ ጉዕዞ ክንዛዝሞ ኢና በምባል ዝሓሰቡ ሰባት ካብ መፈለምትኡ ከምዝተዓሸዉ ሓቢሩ።

ሐዚ እውን ብዝበለፀ ናብ ብሩህ ተስፋ ብዝቐረብና ቁፅሪ እቲ ፈተና ከምዝሕይል ምርዳእ ይግባእ ብምባል እቲ መግለፂ ኣብሪሁ።

ኣብ ሃገርና ኣብ ዝተፈላለዩ እዋናት ዝረኣናዮም ጎንፂታት፣ ስእነት ሰላምን ስግኣታት ድሕንነትን ንጉዕዞ ለውጥና ብዝሓየለ ኩነታት ካብ ዝፈተንዎ ምድብ ኢዮም ኢሉ።

ባህጊ ፀላእትና ኣብ ከይዲ ጉዕዞ ወዲቕና ሸቶና እንተየዐወትና ምትራፍ ኢዩ ዝበለ እቲ መግለፂ፥ ብሓባር ኮይንና ዝሃነፅናያ ዓዲ ፈሪሳ ምርኣይ ኢዮም ዝምነዩ፤ ንሕና ድማ ነዚ ዝተመቾና ኮይኒና ኣለና ኢሉ።

“ሃገርና ናይ ኩላትና ገዛ ኢያ፤ እቲ ገዛ ቅድሚ ምፍራሱ ምስራሕን ሓድነት ምፍጣርን እንበር ምስ ኮነ ምፅፃት ትርጉም ኣይብሉን” ብምባል ገሊፁ።

እዚ እዋን ንኢትዮጵያ ወሳኒ እዋን እዩ ዝበለ እቲ መግለፂ፥ ብሓደ መዳይ ፍትሓዊ፣ ዴሞክራሲያዊን ተኣማኒን ምርጫ ብምግባር ብድምፂ ህዝቢ ዝቐውም መንግስቲ ንምጥያሽ ኣብ ከይዲ ኣለና ኢሉ።

ብኻሊእ መዳይ ድማ ልዕልነት ሃገር ካብ ዝረጋገፀሎም ሓደ ዝኾነ ካልኣይ ዙር ምምላእ ማይ ገድብ ህዳሰ ንምፍፃም ዘኽእሉ ምንቅስቓሳት ዝግበረሉ ከምዝኾነ ኣብሪሁ።

ምስ እዚ ጎድኒ ንጎድኒ ግስጋሰ ኢትዮጵያ ምስ ዘስግኦም ውሽጣዊን ግዳማውን ፀላእቲ በቢኣንፈቱ ግንባር ንግንባር ገጢምና ኣለና ኢሉ።

ኢትዮጵያ ነዞም ሰለስተ ፈተናታት ብምሕላፍ ሸቶኣ እንተዐዊታ ድሕሪ እዚ ንማንም ብቐሊሉ ኢድ ዘይትህብ ሃገር ብምዃን መሰስ ክትብል ኢያ።

ኣብ ከይዲ ዘጋጥሙ ፈተናታት ብምብዳህ፣ ፀገማት ብምቕራፍ፣ ጉድለታት ብምእራም መበል ሻድሻይ ሃገራዊን ክልላውን ምርጫ ውፅኢታዊ ምግባር ናይ ኩሉ ሰብ ግደ ዘድሊዩ ከምዝኾነ ሓቢሩ።

ነዚ ድማ ህዝቢ፣ ተመረፅቲን ብሄራዊ ቦርድ ምርጫን ሓላፍነቶም ክዋፅኡ ሓደራ ኢሉ።

ብተወሳኺ ናይ ዝኾነ ይኹን ፅዕንቶ ብምሽካም፤ ውሽጣዊን ግዳማውን ፈተናታት ብምሕላፍ ካልኣይ ዙር ምምላእ ማይ ግድብ ህዳሰ ከምዝፍፀም ኣረጋጊፁ።

ህዝቢ ኢትዮጵያ ብውሽጣዊን ግዳምን ዘሎ ፈተናታት ብንቕሓትን ብስለትን ንምሕላፍ ኣብ ጎድኒ መንግስቲ ክስለፍ ቤት ምኽሪ ብሄራዊ ድሕንነት ኣብ ዘውፅኦ መግለፂ ፃውዒት ኣቕሪቡ።

ኣብ ፌዴራልን ክልልን ዝርከቡ ኣካላት ፀፅታ ብምውዳድን ብምንባብን ሰላምን ድሕንነትን ኢትዮጵያን ኢትዮጵያውያንን ንክሕልዉ እውን ኣተሓሳሲቡ።

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ

ቴሌግራም ገፅና https://t.me/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/c/fanabroadcastingcorporate/ሰብስክራይብ

ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

ኩሉ ጊዜ ምሳና ብምዃኖም/ነን ነመስግን!

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.