መዝገባ መረፅቲ ንክልተ ሰሙናት ተናዊሑ
ኣዲስ ኣበባ፣ 16 ሚያዝያ፣ 2013 (ኤፍ.ቢ.ሲ)መዝገባ መረፅቲ ንክልተ ሰሙናት ምንው#ሑ ብሄራዊ ቦርድ ምርጫ ኢትዮጵያ ኣፍሊጡ።
ክሳብ 14 ሚያዚያ 2013 ዓ.ም 18 ሚልየንን 427 ሺሕን 239 ዜጋታት ከምዝተመዝገቡ ዝገለፀ እቲ ቦርድ፥ እቶም መረፅቲ 41 ሺሕን 659 ጣቢያታት መረፃ ከምዝተመዝገቡ ገሊፁ።
ይኹን እንበር ምዝገባ መረፅቲ ኣብ ኣብ ፍርቂ ክፋላት እዛ ሃገር ዘንጊዑ ብምጅማሩ፣ ብምኽኒያት ሕፅረት መረዳእታታትን ካልኦትን እቶም መረፅቲ ንክምዝገቡ ጊዜ ብመውሳዱን ኣብ ሓደ ጣቢያ ምርጫ 1500 ሰባት ጥራሕ ንክምዝገቡ ብመሰረት ዝወፅአ ሕጊ ብፍላይ ኣብ ምምሕዳር ከተማ ኣዲስ ኣበባ ኣብ ዝርከቡ ውሱናት ጣቢያታት ምርጫ ምዝገባ ምቁራፁን ተወሰኽቲ ጣቢያታት ምርጫ ኣብ ምኽፋት ከይዲ ክፍተት ብምፍጣሩን መዝገባ መረፅቲ ንክልተ ሰሙናት ተናዊሑ ኣሎ ኢሉ።
ስለዝኾነ ኣብ ከልል ዓፋርን ሶማሌን ንሰለስተ ሰሙናት፣ ኣብ ካልኦት ከባቢታት እዛ ሃገር ንክልተ ሰሙናት ከምዝተናውሐ ብሄራዊ ቦርድ ምርጫ ኢትዮጵያ ኣፍሊጡ።
እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ
ቴሌግራም ገፅና https://t.me/tigrignafana
ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/
ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision
ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna
https://www.youtube.com/c/fanabroadcastingcorporate/ሰብስክራይብ
ይግበሩ/ራ!
ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት
https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።
ኩሉ ጊዜ ምሳና ብምዃኖም/ነን ነመስግን!