Fana: At a Speed of Life!

ቤት ምኽሪ ፀፅታ ሉኣላውነት፣ ፖለቲካዊ ናፅነት፣ ግዝኣትን ሃገራዊ ሓድነትን ኢትዮጵያ ከምዘኽብር ኣረጋጊፁ

ኣዲስ ኣበባ፣ 15 ሚያዝያ፣ 2013 (ኤፍ ቢ ሲ)ቤት ምኽሪ ፀፅታ ውድብ ሕቡራት መንግስታት ሉኣላውነት፣ ፖለቲካዊ ናፅነት፣ ግዝኣትን ሃገራዊ ሓድነትን ኢትዮጵያ ከምዘኽብር ኣረጋጊፁ።

ኣባላት እቲ ቤት ምኽሪ ኣብ ክልል ትግራይ ብዛዕባ ዘሎ ሰብ ኣዊ ኩነታት ኣመልኪቱ መግለፂ ኣውፂኡ፡፡

ኣብ መግለፂኡ ድማ መንግስቲ ኣብ ክልል ትግራይ ዝገብሮ ዘሎ ሰብኣዊ ሓገዝ ኣፍልጦ ብመሃብ እቲ ሓገዝ ተጠናኺሩ ንኽቕፅል ፃውዒት ኣቕሪቡ፡፡

ካብዚ ብተወሳኺ መንግስቲ እናገበሮ ዝርከብ እናቐፀለ ይኹን እምበር ኣብቲ ክልል ዘሎ ሰብኣዊ ቅልውላው ዘተሓሳስብ ከምዝኾነ እውን ገሊፁ፡፡

እቲ ቤት ምኽሪ ኣብ መግለፂኡ፥ ዓለም ለኸ ትካላት ተራድኦ እውን መምርሒታት ህፁፅ እዋን ሰብኣዊ ሓገዝ ብዝተኸተለ መገዲ ዝገብረኦ ሓገዝ ንኸጠናኽራ ሓቲቱ።

ኣብዚ ሕዚ እዋን ኣብ ክልል ትግራይ ዘሎ ፀገም ፀፅታ ሰብኣዊ ሓገዝ ብዝድለ መልክዑ ንምቕራብ ዕንቅፋት ከምዝኾነ ዝገለፀ እቲ ቤት ምኽሪ፥ እቲ ክልል ናብ ዝነበሮ ንኽምለስ ፀዊዑ፡፡

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ

ቴሌግራም ገፅና https://t.me/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/c/fanabroadcastingcorporate/ሰብስክራይብ

ይግበሩ/ራ!

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.