Fana: At a Speed of Life!

ኣብ ከተማ ኣዲስ ኣበባ ኣብ እዋን በዓላት ሕፅረት ፍርያት ከይፍጠር ግብረ ሓይሊ ተጣይሹ ይስራሕ ኣሎ

ኣዲስ ኣበባ ፣ 14 ሚያዝያ፣ 2013 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ዝመፅኡ ዘለዉ በዓላት ስዑቡ ሕፅረት ፍርያት ከይፍጠር ግብረ ሓይሊ ተጣይሹ እናተሰርሐ ምዃኑ ቢሮ ንግዲ ምምሐዳር ከተማ ኣዲስ ኣበባ ኣፍሊጡ።

ምስ ግዜኢ ፃንሒት ዝገበሩ ሓላፊ እቲ ቢሮ ኣይተ ዓብደልፈታሕ የሱፍ፥ በዓል ትንሳኤን ዒድ ኣልፈጥርን እናተቓረቡ ምዃኖም ስዒቡ ኣብ ዕዳጋ ሕፅረት ፍርያት ከይፍጠር እቲ ቢሮ ካብ ዝተፈላለያ ትካላት ምስ ዝተውፃፅኡ ኣካላት ዝተዋደደ ግብረ ሓይሊ ኣጣይሹ ይስራሕ ኣሎ ኢሎም።

ኣብ እዋን በዓላት ካብ ካሊእ እዋን ብዝተፈለየ ኩነታት ድሌት ዘይቲ፣ ሕሩጭ፣ ሽኮር፣ እንስሳትን ውፅኢታት እንስሳን ክውስኽ ስለዝኽእል ነዚ ድሌት ንምምላእ ትልሚ ሒዙ እናሰርሐ ከምዝርከብ ገሊፁ።

ብመሰረት እዚ ብሕብረት ስራሕ ማሕበራት ኣቢሉ ፍርያታት ኢንዱስትሪን ሕርሻን ብስፍሓት ንምቕራብ ስርዓት ከምዝተዘርገሐ ኣብሪሆም።

ቢሮው በሕዝቡ ፍላጎት መጨመር ሳቢያ ያልተገባ የዋጋ ጭማሪ በማድረግ ገበያው እንዳይረጋጋ የሚያደርጉ አካላት ላይ ሕጋዊ እርምጃ እንደሚወስድም አስታውቀዋል

እቲ ቢሮ፥ ወሰኽ ድሌት ምኽንያት ብምግባር ዘይተገበአ ወሰኽ ዋጋ ብምግባር ዕዳጋ ከይረጋጋእ ኣብ ዝገብሩ ኣካላት ሕጋዊ ስጉምቲ ከምዝወስድ እውን ኣገንዚቦም።

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ

ቴሌግራም ገፅና https://t.me/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/c/fanabroadcastingcorporate/ሰብስክራይብ

ይግበሩ/ራ!

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.