Fana: At a Speed of Life!

ንኽረምታዊ ሕርሻ ዝውዕል 9 ነጥቢ 4 ሚሊየን ኩንታል ዘበናዊ ዱኽዒ ናብ ውሽጢ ሃገር ኣቲዩ

ኣዲስ ኣበባ፣ 12 ሚያዝያ፣ 2013 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ንኽረምታዊ ሕርሻ ዝውዕል 9 ነጥቢ 4 ሚሊየን ኩንታል ዘበናዊ ዱኽዒ ናብ ውሽጢ ሃገር ከምዝኣተወ ሚኒስቴር ሕርሻ ኣፍሊጡ።

መንግስቲ ፍርያታውነት ዘፈር ሕርሻ ንምሕጋዝ ብር 4 ነጥቢ 5 ቢሊየን ከምዝመደበ ተገሊፁ።

ሚኒስትር ዲኤታ ወይዘሮ ኣይናለም ንጉሴ ንግዜኢ ከምዝገለፀኦ፥ ኣብ ክረምታዊ ሕርሻ እዚ ዓመት 18 ነጥቢ 1 ሚሊየን ኩንታል ዘበናዊ ዱኽዒ ንምቕራብ ዕድጊት እናተኻየደ ይርከብ።

ብመሰረት እዚ ድማ ኣብ ወደብ ጂቡቲ ካብ ሞንጎ ዝበፅሐ 10 ሚሊየን ኩንታል 9 ነጥቢ 4 ሚሊየን ኩንታል ዘበናዊ ዱኽዒ ናብ ውሽጢ ሃገር ኣቲዩ ናብ መኽዚን ዩኒየናት ከምዘበፅሐ ገሊፀን።

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ

ቴሌግራም ገፅና https://t.me/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/c/fanabroadcastingcorporate/ሰብስክራይብ

ይግበሩ/ራ!

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.