ኤምባሲ እስራኤል ኣብ ዝተፈላለዩ ጉዳያት ምስ ፋና ክሰርሕ ኢዩ – ኣምባሳደር እስራኤል ኣብ ኢትዮጵያ
ኣዲስ ኣበባ፣ 12 ሚያዝያ፣ 2013 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣምባሳደር እስራኤል ኣብ ኢትዮጵያ ኣይተ ኣለልኝ አድማሱ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬትን ዑደት ገይሮም።
እቶም ኣምባሳደር ኣብቲ ትካል ተዘዋዊሮም ዑደት ዝገበሩ እንትኾኑ፥ ዋና ፈፃሚ ስራሕ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት ኣይተ ኣድማሲ ዳምጠው ገለፃ ገይሮምሎም፡፡
ኣብ ገለፀኦም ድማ ፋና ካብ ዝጣየሽ ጀሚሩ ብረተሰብ ኣብ ምምሃር፣ ምህዳስ ከምኡ እውን ህዝቢ ምስ መንግስቲ ብቐጥታ ብምርኻብ ብዙሓት ስራሕቲ እናሰርሐ ከምዝፀንሐ ተዛሪቦም፡፡
ብኣማራፂታት ቴሌቪዥን፣ ራዲዮን ዲጂታል ሚዲያን ናብ ህዝቢ እናበፅሐ ከምዝርከብ ዝገለፁ እቶም ዋና ፈፃሚ ስራሕ፥ እቲ ትካል ዝሰልጠነ ሓይሊ ሰብ፣ ብሓዱሽን ዘበናዊ ቴክኖሎጂን ዝተዋደደ ከምዝኾነ ገሊፆም፡፡
ኣምባሳደር ኣለልኝ ኣድማሱ ብግደኦም፥ እስራኤልን ኢትዮጵያን ዘለወን ዝፀንሐ ምሕዝነት ብምልዓል ኣብ ቀፃሊ እውን ክልቲአን ሃገራት ብዝተፈላለዩ ዘፈራት ብዝበለፀ ንምትእስሳር ከምዝሰርሑ ተዛሪቦም፡፡
ፋና ትኽክለኛን ሓበሬታ ናብ ማሕበረሰብ ብምብፃሕ ዝገብሮ ዘሎ ፃዕሪ ዝነኣዱ እቶም ኣምባሳደር፥ እቲ ኤምባሲ ኣብ ዝተፈላለዩ ጉዳያት ብሓባር ከምዝሰርሕ ገሊፆም፡፡
ብፌቨን ቢሻው
እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ
ቴሌግራም ገፅና https://t.me/tigrignafana
ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/
ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision
ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna
https://www.youtube.com/c/fanabroadcastingcorporate/ሰብስክራይብ
ይግበሩ/ራ!